ፕረዚደንት ሱዳን ሞይቱ ዝብል ዜና ሓሶት ምዃኑ ዳይሬክተር ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ኣፍሊጡ

Radio Erena: 24 November 2016

Al

ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ሞይቱ ዝብል ዜና ሓሶት ምዃኑ፣ ዳይሬክተር ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ዑስማን ጣሃ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ብሰንኪ ሃንደበታዊ ወቕዒ ልቢ ከምዝሞተ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብመርበባት ሓበሬታን፣ ማሕበራዊ ሜድያታትን ክግለጽ ቀንዩ’ዩ።

እንተኾነ፣ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ክሌማ ድሕሪ ምርካቡ፣ ኣብ ዋዕላ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን ንምስታፍ ናብ ኢኳቶርያል ጊኒ ከምዘምርሐ ዑስማን ጣሃ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣልበሽር ካብ 14 ሕዳር ኣትሒዙ፣ ኣብ ማዕከናት ዜና ሃገሩ ስለዘይተራእየ፣ ሞይቱ ክኸውን ይኽእል’ዩ ብዝብል ግምታት’ዩ ኣብ መርበባት ሓበሬታ ብዛዕባ ሞቱ ተቓሊሑ።

72 ዓመት ዝዕድሚኡ ፕረዚደንት ኣልበሽር፣ ብሰንኪ ናይ ጥዕና ጸገም ተደጋጋሚ እዋን ኣብ ሆስፒታላት ሃገራት ዓረብ ሕክምና ከምዘካየድ’ዩ ዝንገረሉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ኤርትራ፣ ሮበርት ሙጋበ ናይ ዚምባብዌን፣ ኣልበሽር ናይ ሱዳንን፣ ሞይቶም እናተባህለ ብተደጋጋሚ ካብ ዝውረየሎም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኮይኖም፣ እዚ ድማ ህዝቢ ክእለይሉ ንዘለዎ ድሌት ዘንጸባርቕ ምዃኑ’ዮም ተንተንቲ ዘረድኡ።

እዞም፣ ጸጸኒሑ ሞይቶም ዝብል ወረ ዝጋውሓሎም ዘሎ ሰለስተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንልዕሊ 25 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ህዝቦም ብድኽነትን ሕሱም ናብራን ክከላበትን ናብ ስደት ብብዝሒ ክውሕዝን ይርአ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0