ፕረዚደንት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ፣ ተጎሃሃሪ ኣብ ዘሎ ግጭት ንቀጠርን ቱርኪን ወቒሱ

Radio Erena: 16 March 2020

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ተጓሃሂሩ ዘሎ ግጭት፣ ብሰንኪ’ቲ ቀጠርን ቱርኪን ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ዝህብኦ ዘለዋ ሓገዝ’ዩ ክብል ፕረዚደንት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ኣሕመድ ማዶበ ወቒሱ።

ንሱ፣ ቀጠር ንፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል እትህቦ ዘላ ፊናንስያዊ ሓገዝ ደው ከተብል ክጽውዕ እንከሎ፣ ቱርኪ’ውን ንሰራዊት ናይቲ መንግስቲ ትግብሮ ዘላ ስልጠና ከተቋርጽ ሓቲቱ።

ሰራዊት ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልን ንምንጻል ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ዝድግፉ ሚሊሻን ኣብ ዘካይድዎ ውግእ ሓያሎ ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝፍለጥ’ዩ።

መንግስቲ ኬንያ ብወገኑ፣ ሰራዊት ሶማል ምስ ዕጡቓት ጁባላንድ ኣብ ዝገበሮ ውግእ፣ ንዶብ ኬንያ ከምዝጠሓሰ ምኽሳሱ ኣይርሳዕን።

ብዘይካ’ዚ እቲ ፈደራላዊ መንግስቲ፣ ኣብ ጁባላንድ ዕላዋ ንምክያድ ምስ ዝተፈላለዩ ወትሃደራውያን ሓይልታት ናይታ ርእሰ ምምሕዳር ይሻረኽ ምህላዉ’ዩ ዝውቀስ።

ን22 ዓመታት ስልጠን ዝበሓተ ስያድ ባረ፣ ብዝተኻየደሉ ሓያሎ ተቓውሞታት፣ ኣብ 1991 ናብ ናይጀርያ ድሕሪ ምህዳሙ፣ ሶማል ናብ ርእሰ ምምሕዳራት ተጎዛዝያ፣ ክሳብ እዚ እዋንዚ ብኵናት ናይ ቀቢላታትን ንዕኡ ተኸቲሉ ዝመጸ ሽበራዊ ምንቅስቓሳትን ትሕመስ ኣላ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0