ፕረዚደንት ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳያ ናብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ

ፕረዚደንት ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳያ ናብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ

Radio Erena : 03 October 2015

PresidenG

ፕርዚደንት ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ጉለ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዞባናን ዓለም ስግኣት’ዩ ክብል ወቒሱ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መበል 70 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፣ እቲ ምስ ኤርትር ዘሎ ምስሕሓብ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ከምዘይተፍትሐ ጠንቂ ድማ ካብ 2008 ኤርትራ መሬት ጅቡቲ ሒዛ ምህላዋ’ዩ ክብል ገሊጹ።

ጅቡቲ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ብዝምልከት ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ማሕሕበር ሃገራት ዓረብን ሕቡራት ሃገራትን ጥርዓን ከምዘቕረበትን፣ ነቲ ብመንጎኝነት ቀጠር ዝተወስደ ናይ ሽምግልና ተበግሶ ድማ ከምዝተቐበለትን ዘረጋገጸ እቲ ፕረዚደንት፣ ሓሙሽተ ዓመቱ ሓሊፉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ምምልካትን ምሕንጻጽን ዶባ ይኹን ምምላስ ምሩኻት ከምዘይተተግበረ ኣረዲኡ።

 

እስማዒል ዑመር ጉለ ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብኣህጉራዊ ማሕበር ሰብ ጸቕጢ እኳ ይግበረሉ እንተሎ፣ ክሳብ እዚ እዋ’ዚ ሃለዋት ምሩዃት ኵናት ጅቡቲ ክኣምን ከምዘይክኣለ ጠቒሱ።

ኤርትራን ጅቡቲን እብ ከባቢታት ራስ ዱሜራ ኣብ ግንቦት 2008 ድሕሪ ዘካየድኦ ኵናት፣ ካብ ክልትኤን ወገናት ሓያሎ ወትሃደራት ከምዝተቕትሉን ካብ ወገን ኤርትራ ድማ 21 ብጅቡቲ ከምዝተማረኹን መንግስቲ እታ ሃገር ክገልጽ እንከሎ፣ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ግና ብዛዕባ፣ዚ ዝምልከት ዛጊት ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0