ፕረዚደንት ላይበርያ ነበር ኤሊን ሰርሊፍ ጆንሶን ሽልማት ኢብራሂም ሞ ተዓዊታ

ፕረዚደንት ላይበርያ ነበር ኤሊን ሰርሊፍ ጆንሶን ሽልማት ኢብራሂም ሞ ተዓዊታ

Radio Erena: 14 February 2018

Ellen

ፕረዚደንት ላይበርያ ነበር ኤሊን ሰርሊፍ ጆንሰን፣ ብምሕደራ መንግስቲ ንዝወሃብ ሽልማት ኢብርራሂም ሞ ተዓዊታ።

እዛ ኣብ ታሪኽ ኣህጉር ኣፍሪቃ ናይ ፈለማ ጓለነስተይቲ ፕረዚደንት ዝኾነ ኤሊን፣ ነዚ 5 ሚልዮን ዶላር ግንዖ ዘለዎ ሽልማት ኢብራሂም ሞ ክትዕወት ዝበቕዐት፣ ብምርጫ ተዓዊታ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽንሓ፣ ብመሰረት ቅዋም ሃገራ ናይ ስልጣን ናይ ግዜ ገደባ ምስ ኣቦቀዐ፣ ስልጣና ካብ ተቓዋሚ ሰልፊ ብምርጫ ንዝተዓወተ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ነበር ጆርጅ ዎያ ብሰላም ከተሰጋግር ብምኽኣላ’ዩ።

ኤለን ሰርሊፍ ጆንሰን፣ ን12 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓትሉ ዓመታት ኣብ ከም ብልሽውና ዝኣመሰሉ ብድሆታት ምሕደራ መንግስቲ እኳ እንተገጠሙዋ፣ ብኵናት ሓድሕድ ንነዊሕ ዓመታት ዝተሓመሰት ላይበርያ፣ ናብ ዝሓሸ ጎደና ርግኣት ክትመርሓ ምኽኣላ ሽልማት ኢብራህም ሞ ከምዝግብኣ ሓያሎ ተንተንቲ ይሰማምዑ።

ኣፍሪቃ፣ ሓንሳእ ኣብ ስልጣን ምስ ደየቡ ወይ ብሞት ወይ ከኣ ብወትሃደራዊ ዕልዋ ጥራይ ካብ ስልጣን ብዝእለዩ መራሕቲ ተጎቢኣ ዘስተብሃለ፣ ሃብታም ወናኒ ማእከል መራኸቢታት ሱዳናዊ ብሪጣንያዊ ኢብራሂም ሞ፣ ስልጣኑ ብሰላም ንዘሰጋገሩ መራሕቲ 5 ሚልዮን ዶላር ግንዖ ዘለዎ ሽልማት ንኽህብ ከምዝወሰነ ይዝከር።

ብመሰረት ሕግታት ሽልማት ኢብራሂም ሞ፣ ንተዓወትቲ 5 ሚልዮን ዶላር ኣብ 10 ዓመታት ተኸፋፊሉ ክወሃቦም እንከሎ፣ ብድሕሪኡ ድማ ክሳብ ብህይወት ዘለው ዝቕጽል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት 200 ሽሕ ዶላር ተወሳኺ ህያብ ይብርከተሎም።

እቲ ኣብ ምሕደራ መንግስቲ ብቁዓት ንዝተባህሉ መራሕቲ ዝወሃብ ሽልማት ኢብራሂም ሞ ኣብ 2007 ካብ ዝጅመር ዛጊት ኣብዚ 11 ዓመታት ንሓሙሽተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ጥራይ’ዩ ተዋሂቡ ዘሎ።

ነዚ ሽልማት እዚ ዝበቅዑ፣ ኣብ 2007 መራሒ ሞዛምቢክ ነበር፣ ጃኪም ቺሳኖ፣ ኣብ 2008 መራሒ ቦትስዋና ነበር ፌስቱስ ሞጋኤ፣ ኣብ 2011 መራሒ ኬፕ ቨርደ ነበር ፔድሮ ቨሮና ፒረስ፣ ኣብ 2014 መራሒ ናሚብያ ነበር ሂፊኪፑንየ ፖሃምባ ኣብ 2018 ድማ ፕረዚደንት ላይበርያ ነበር ኤለን ሰርሊፍ ጆንሶን’ዮም።

ብሕሉፍ ህርፋን ስልጣንን ብልሽውናን ዝተቖማጥዑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ምስቲ እታ ሃገር ዘሎ ናይ ድሕረትን ድኽነትን ተደሚሩ፣ ምስሊ እዛ ኣህጉር ተደዊኑ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ንዝነውሐ ዓመታት ኣብ ስልጣን ተቐሚጦም፣ ዴሞክርስያውን ውሑስን ምስግጋር መንግስቲ ንኸየተግብሩ ሓንጊዶም ካብ ዘለዉ ሸሞንተ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓደ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ’ዩ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0