ፕረዚደንትታት ጂቡቲን ፈረንሳን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያ ተመያይጦም

Radio Erena: 12 September 2022

ፕረዚደንታት ጂቡቲን ፈረንሳን ብዛዕባ ህሉው ጸጥታውን ወትሃደራውያን ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከምዝተመያየጡ፣ ቤተ መንግስቲ ኤሊዘ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፣ ምስ ጂቡታዊ መዘንኡ እስማዒል ዑመር ገለ፣ ብ10 መስከረም ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ምይይጥ፣፣ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኵናት ኣብ ተኣፋፊ መድረኽ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፣ ምርግጋእ ጂቡቲ ኣብ ምውሓስ ፈረንሳ ኣብ ጎና ደው ከምእትብል ኣረጋጊጽሉ።

ክልቲኦ መራሕቲ ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ብዝምልክተ ተዘራሪቦም።

መራሕቲ ፈረንሳን ጂቡቲን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ብቴሌፎን ከምዝተመያየጡ ዝግለጽ ዘሎ፣ ወከልቲ መግግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ጂቡቲ ብምስጢር ይዛተዩ ከምዘለው ራድዮ ፈረንሳ ኣብ ዘረጋገጸትሉ ዕለት’ዩ።

ኣብ ጂቡቲ ኣስታት 1500 ወትሃደራት ብቀዋምነት ኣዕስኪራ እትርከብ ፈረንሳ፣ ምስ ጂቡቲ ዝጸንሐ ወትሃደራዊ ዝምድና ንምድልዳል፣ ብሚኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኻ ናብታ ሃገር ክበጽሕ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ 15 መስከረም ናብ ጂቡቲ ክኣኡ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ሚኒስተር ሰባስትያን ሎኮርኑ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝጸንሓሉ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ብምርኻብ ክዝቲ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ እቲ ሚኒስተር፣ ኣብ ጂቡቲ ናብ ዝርከብ ቀዋሚ ወትሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ ብምብጻሕ ምስ ሰራዊት ሃገሩ’ውን ክመያየጥ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ፈረንሳ ኣሚቶም።
======================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0