ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ኣብ ዝካየደሉ ድሮ፣ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ

Radio Erena: 15 May 2022
ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል ኣብ ዝካየደሉ ድሮ፣ ኣብ ከተማ ሞቓድሾ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ።
ፖሊስ ከተማ ሞቓድሾ፣ ጸጥታዊ ርግኣት እታ ከተማ ኣስጋኢ ስለዘሎ፣ ንኣገዳሲ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፣ ምንቅስቓስ ህዝቢ ክልኩል ገይሩዎ ኣሎ። ብተወሳኺ መካይንን ሞተር ብሽክለታን ኣብ መዓልቲ ምርጫ ክንቀሳቐሳ ከምዘይፍቀደለን ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ ምንቅስቓስን ምእካብን ዜጋታት ዝኽልክል ግዚያዊ ኣዋጅ፣ ምርጫ ክሳብ ዝውዳእ ጥራይ ክጸንሕ ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።
ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተናዊሑ ዝጸንሐ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሶማል፣ ንሎሚ 15 ግንቦት ኣብ ዝካየደሉ፣ ነቲ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ፋርማጆን ቀዳማይ ሚኒስተር ሮብለን ተፈጢሩ ዘሎ ቁርቁስ ስልጣን ክፈትሕ ተስፋ ተነቢሩሉ ኣሎ።
ናይ ምርጫ ሰናዱቕ ካብ መድመጺ ነቑጣታት ምስ ተኣከበ፣ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን እዩ።
ኣብ ሶማል ሓድሽ ፕረዚደንት ዝምረጽ፣ ብዘይካ’ቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ጸጥታዊ ስግኣት ዜጋታት፣ ከም ቁጠባዊ ቅልውላው፣ ደርቂ፣ ፖለቲካዊ ምትፍናን ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ብድሆታት ይጽበዮ ከምዘሎ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0