ፕረዚደት ትራምፕ፣ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ሶማል ከውጽእ መዲቡ

Radio Erena: 15 October 2020

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፣ ኣብ ሶማል ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ ከውጽእ ምምዳቡ ተሓቢሩ።

ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና፣ ንወትሃደራዊ ምንጭት ብምጥቃስ ኣብ ዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብ ሶማል ዝርከብ ሰራዊት ኣመሪካ ዝስሕበሉ ኣገባባት ብዝምልከት ምስ ሓለፍቲ ጸጥታን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ይዝቲ ምህላዉ ሓቢረን።

ፕረዚደንት ትራምፕ፣ ንሰራዊት ኣመሪካ ካብ ሶማል ክስሕብ ዝምድበሉ ዘሎ ምክንያት፣ ኣብ ጎስጓስ ዳግማይ ምርጫ ክሕግዞ ይኽእል’ዩ ካብ ዝብል ግምታት ምዃኑ ተንተንቲ የረድኡ።

ኣመሪካ፣ ኣብ 1991 ካብ ሶማል ጠቕሊላ ሰራዊታ ድሕሪ ምስሓባ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት፣ ብዘይውግዓዊ መንገዲ ሰራዊት ከተዋፍር ጸኒሓ’ያ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ኣብ ስለያ፣ ስልጠና፣ ፍሉይ ስርሒታትን ዝተዋፈሩ ኣስታት 800 ወትሃደራት ኣመሪካ ኣብ ሶማል ከምዘለዉ ይግለጽ።

ይኹን’ምበር፣ ህላወ ሰራዊት ኣመሪካ ይኹን ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ጸጥታ ሶማል ከረጋግእን፣ ህላዌ ኣልሸባብ ክገትእን ከምዘይክኣለ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0