ፓይለታት መጎዓዝያ ነፈሪት ኢትዮጵያ፣ ኣብ በረራ እንከለዉ ደቂሶም

Radio Erena: 18 August 2022

ስአሊ፡ ኣርካይቭ ኢንተርነት

ናይ መጎዓዝያ ነፋሪት ኢትዮጵያ ኣብረርታ ብምድቃሶም፣ ናብ መሬት ክትዓልበሉ ዝነበራ ግዜ ተናዊሑ።
እቲ ብ15 ነሓሰ ካብ ከተማ ካርቱም ናብ ኣዲስ ኣበባ ትጎዓዝ ንዘበረት ነፋሪት፣ ብኣውቶ ፓይለት ኣብ እትበረሉ ዝነበረት እዋን፣ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ምብጻሓ ምልክት እኳ እንተሃበት፣ እቶም ኣብረርታ ብምድቃሶም ናይ በረራ ግዜኣ ከምዝተናወሐ ኣቭየሽን ሄራልድ ኣፍሊጡ።
37 ሽሕ ጫማ በሪኻ እትበርር ዝነበረት እዛ ናይ መጎዓዝያ ነፋሪት፣ ኣብረርታ ካብ ምቁጽጻር በረራታት መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ንዝግበረሎም ዝነበረ ጻውዒት’ውን ክሰምዕዎ ኣይከኣሉን።
ኣብ መወዳእታ እታ ነፋሪት ኣላርም ክትገብር ምስ ጀመረት፣ እቶም ፓይለት ካብ ድቃሶም ስለዝተበራበሩ፣ 25 ደቓይቕ ድሕቲ’ቲ ዝግበኣ ግዜ ብሰላም ክትዓልብ ምኽኣላ ኣቭየሽን ሄራልድ ሓቢሩ።
እቶም ፓይለት ኣብ በረራ እንከለዉ ምኽንያት መደቀሲኦም ድኻም ክኸውን ከምዝኽእል መግለጺታት ይወሃቦ ኣሎ።
መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቶም ፓይለታት ካብ ስራሕ ደው ክብሉ ከምዝተገብረን፣ መርመራ ክካየድ ምዃኑን ኣፍሊጡ።
ብሕጽረት ሰብ ሞያ ክሳቐ ዝጸንሐ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ካብ ኣባላቱ መረረታት ክቐርበሉ ምጽንሑ’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ኣፍሪቃ ብዕቤቱ ምስ ቀዳሞት ዝስራዕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ፓይለታቱ ብሸለልትነት ዝኽሰሱ እንተደኣ ኮይኖም፣ ናብ ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝገብሮ በረራታት ክጽሎ ከምዝኽእል ክኢላታት እቲ ዓውዲ የጠንቅቑ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0