ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጥንዮስ፣ ሎሚ ረቡዕ 9 ለካቲት 2022፣ ኣብ ማእሰርቲ ዓሪፎም

Radio Erena: 09 February 2022

ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሑ፣ ሳልሳይ ፓትርያርክ፣ ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ሎሚ ረቡዕ 9 ለካቲት 2022 ዓሪፎም።

ኣብ ክሊ ዕድመ መፋርቕ 90ታት ዝርከቡ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ኣብ ማሕዮር ኣብ ዝነበርሉ እዋን፣ መሰረታዊ ናይ ሕክምና ኣግልግሎታት ከይተረፈ ክንፈጎም ምጽንሑ ይፍለጥ።

ህግደፍን መሓውራቱን፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ እታ ቤተ ክርስትያን ከይኣቱ ብምቕዋሞም፣ ነዚ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ፣ ይቕሬታ ብምሕታት ናብ መንበሮም ክምለሱ፣ ልኡኽ ህግደፍ ምዃኑ ብዝውቀስ ሲነዶስን ጳጳሳቱን ጸቕጢ እኳ እንተተገብረሎም፣ ካብታ ዝኣመኑላ ሓቂን ፍትሕን ነቕ ከይበሉ’ዮም፣ ኣብ ማሕዩር ዓሪፎም።

ራድዮ ኤረና፣ ብዕረፍቲ ኣቦና ብጹእ ወ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ዝተሰምዓ ሓዘን እናገለጸት፣ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓት ይሃብ ትብል።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar
    ቅኑዕ መገዲ ክርስትና 2 years ago

    ኣብ ሕቅፊ የማን ክርስቶስ ኢየሱስ ኣብ ሕቁፊ ኣብርሃም የንብርኩም ፍቱው ኣቦና