ፓርላማ ኢትዮጵያ ንናይ ፖለቲካ እሱራት ነበር ምሕረት ዝህብ ዝቐረበ እማመ ኣጽዲቑ

ፓርላማ ኢትዮጵያ ንናይ ፖለቲካ እሱራት ነበር ምሕረት ዝህብ ዝቐረበ እማመ ኣጽዲቑ

Radio Erena: 22 July 2018

parlm ethioፓርላማ ኢትዮጵያ ንናይ ፖለቲካ እሱራት ነበር ምሕረት ዝህብ ብካቢነ ሚኒስተራት’ታ ሃገር ዝቐረበ እማመ ኣጽዲቑ።

ሓያሎ መራሕቲ ፖለቲካውያን ውድባት ዝርከብዎም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ፖለቲካ እሱራትን ክሱሳትን፣ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ዝርከቦም ሓያሎ ክስታት ተመስሪቱሎም ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ምሕረት ንኽግበረሎም ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ብ 5 ሓምለ እማመ ምቕራቡ ይዝከር።

እቲ ናይ ምሕረት ውሳኔ፣ ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ንዝጸንሑ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዘየለዉሉ ክስን ፍርድን ንዝተዋህቦም’ውን ዘጠቓልል ምዃኑ፣ ካብታ ሃገር ዝተፈነወ ሓበሬታ የነጽር። ብኣማኢት ካብቶም ክሲ ተመስሪቱዎም ዝጸንሑ ፖለቲከኛታት፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኬንያ፣ ሶማልያን ካልኦት ሃገራትን ይርከቡ።

ባይቶ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ፣ ንግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ከምኡ’ውን ግንቦት 7 ዝኣመሰሉ ፖለቲካውያን ውድባት፣ ካብ መዝገብ ሽበራ ክስረዙ ኣብ ውሳኔ በጺሑ።

ካብዞም ምሕረት ዝተገብረሎም ኣባላት ፖለቲካውያን ውድባት ካብ ስደት ድሮ ናብ ሃገሮም ዝኣተዉ ከምዘለዉ ኣቐዲሙ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0