ፓርላማ ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ዘሎ ዝምድና’ታ ሃገር ዝያዳ ክድልድል ከምዘለዎ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ  ዘካየዶ ዋዕላ ገምጊሙ

ፓርላማ ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ዘሎ ዝምድና’ታ ሃገር ዝያዳ ክድልድል ከምዘለዎ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ገምጊሙ

Radio Erena: 16 March 2018

swiss

ፓርላማ ስዊዘርላንድ ምስ ኤርትራ ዘሎ ዝምድና’ታ ሃገር ዝያዳ ክድልድል ከምዘለዎ ኣብ ዝሓለፈ ሳልስቲ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ ገምጊሙ።

እቲ ባይቶ ንፈደራላዊ ቆንስል’ታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ ዉሳኔ፤ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስዊዘርላንድ ደው ክብል፤ ንኩነታት ኤርትራ ብቐረባ ምክትታል ክጥዕም ምስ መንግስቲ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ዝምድና ክሕይል ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ኣብ ኣስመራ ኤምባሲ ምኽፋት ሕጂ እዋኑ ከምዘይኮነ’ዩ እቲ ባይቶ ገምጊሙ።

ኣብ ሱዳን ዝርከብ ኣምባሳደር ስዊዘርላንድ ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ኣብ ዘገልግለሉ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓመታዊ 6 ግዜ ናብ ኤርትራ ብምምልላስ እዩ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያቱ ዘሰላስል ዘሎ።

ቁጽሪ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያን ናብ 32 ሽሕ ተጸጊዑ ከምዘሎ ዝገምገመ ባይቶ’ታ ሃገር ምሕያል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስ መንግስቲ ኤርትራ፤ ንኩነታት’ቶም ድሮ ቀዋሚን ግዚያዊን ዑቕባ ተዋሂቡዎም ዘሎ ስደተኛታት ምክትታል ጥራይ ዘይኮነ፤ ናብ ሃገሮም ዝምለሱሉ ኩነታት ንምስላጥ እውን ንኩነታት ኤርትራ ብቐረባ ምክትታል ኣገዳሲ ምኻኑ እዩ ባይቶ ስዊዘርላንድ ነዚ ዉሳኔ ዘሕልፍ ዘሎ።

ተንቀሳቓሲ ኣምባሳደር ስዊዘርላንድ ኣብ ኤርትራ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኤርትራ ኣብ ዝራኸበሉ እዋን ንዋሕዚ ስደት ኤርትራውያንን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ዝኣመሰሉ ዛዕባታት ኣልዒሉ ከምዝዝቲ፤ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ስዊዘርላንድ ብሓሙስ 15 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ የመልክት።

ሓያሎ ኣባላት ባይቶ ስዊዘርላንድ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ መታን ክረኽቡ፤ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ኣጋኒኖም እዮም ዘቕርቡዎ ክብሉ’ዮም ዝኣምኑ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0