ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኣቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ዝርርብ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምይያጥ ናብ መቐለ ከተመርሕ’ያ

Radio Erena: 01 August 2022

ፍልይቲ ልእኽቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣነት ዌበር እትመርሖ ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝርርብ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ህወሓት ንምምይያጥ ናብ መቐለ ከምርሕ’ዩ።

ኣቐዲማ ኣብዚ ክልተ መዓልታት ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዝዘተየት ኣነት ዌቤር፣ ናብ መቐለ ክትከይድ ምዃና ብመንገዲ ትዊተር እኳ እንተገለጸት፣ ዕለት ኣየነጸረትን።

ንሳ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ፣ ዝርርብ ምስ ህወሓት ክዕወት እንተኾይኑ፣ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዛት ብስሩዕ ክቕጽል፣ ተቛሪጹ ዝርከብ መሰረታዊ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎታት ዳግም ክጅምርን ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይ ክወጹን ዝብል ነጥቢ ከምዘልዓለት ኣረጋጊጻ።

መንግስቲ ኢትቶጵያ፣ ምስ ህወሓት ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነታን ኣብ ዝኾነ ቦታን ክዘራረብ ድሉው ከምዘሎን፣ ናብ መቐለ ክበጽሑ ንዝደልዩ ዲፕሎማሰኛታትን ፍሉያት ልኡኻትን ድማ ክበጽሑ ከምዝፈቅድን ድሕሪ ምግላጹ’ያ፣ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኤውሮጳ ምብጋሳ ናብ ክልል ትግራይ ምብጋሳ ተፍልጥ ዘላ።

ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ኢትዮጵያን፣ ብመንጎኝነት ኬንያ ዝርርብ ክካየድ ምዃኑ ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ኣብ 9 ነሓሰ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ፣ ከየተዓናቕፎ ሓያሎ ወገናት ስግኣቶም ይገልጹ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት መሻርኽቲ ሃገራትን፣ እቲ ዝርርብ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ ዝብል ርእይቶ እኳ እንተለወን፣ ኵናት ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን ጸግዒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምሓዝ መግለጺታት የውጽእ ምንባሩ ንዝወቕሶ ውድብ እምነት ከምዘይብሉ ህወሓት የነጽር።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0