ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብታ ሃገር ምስ ዝቕመጡ ዜጋታት እቲ ዞባ ዘተ የካይድ ኣሎ

Radio Erena: 17 May 2023

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር፣ ኣብ ዝተፈላለየ ከተማታት እታ ሃገር ምስ ዝቕመጡ ወከልቲ ዜጋታት ናይቲ ዞባ ዘተ የካይድ ኣሎ።

እቲ ኣምባሳደር፣ ኣብቲ ካብ 10 ክሳብ 19 ግንቦት ናብ ዝተፈላለየ ከተማታት ብምክያድ ዘካይዶ ዘሎ ዘተ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ስምምዕ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፣ ኩነታት ኤርትራ ከምኡ ድማ ኣብ ሱዳን ተኸሲቱ ብዛዕባ ዘሎ ኵናትን ብዝምልከት ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ሕቶን ርእይቶን ቀሪቡሉ።

ኣብቲ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ወከልቲ ማሕበራት፣ ፖለቲካውያን ምንቅስቓሳትን ሜድያን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ዲያስፖራ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣምባሳደር ማይክ ሃመርን፣ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ኣብ ምንጋስ ደሞክራሲ ዕዙዝ ተራ ክትጻወት’ውን መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ብ10 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ኣምባሳደር ኣብ ሎስ ኣንጀለስ፣ ካሊፎርንያ፣ ሳንታ ፈን ኒው ሜክሲኮን ዑደት ብምክያድ፣ ተወላዶ ብሄራት ኣምሓራ፣ ኦሮሞ፣ ሶማሊን ትግራይን ምስ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ብምርኻብ፣ ኣብ ምዕባለታት እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ከምዝዝቲ’ዩ ሓቢሩ።

እቲ ኣምባሳደር፣ ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ኣብ ምስፋን ሰላም ምሕያል ደቂንስትዮን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፣ ብጥምረት ደቂንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝተወደብ ዘተ ከምዝሳተፍ’ውን መግለጺ እቲ ክፍሊ ኣነጺሩ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ቅድሚ 30 ዓመታት ናብ ዝነበሮ፣ ኩነታት ምልካውያን ስርዓታት፣ ኵናትን ደርቂን ተሸሚሙ፣ ብደረጃ ዓለም ሓደ ካብቲ ዝኸበደ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣስዒቡ ይርከብ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0