ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ስልጣኑ ይሓድግ ምህላዉ ተገሊጹ

Radio Erena: 13 April 2022

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ ኣብ ጥሪ 2022 ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ዳቪድ ሳተርፊልድ፣ ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ስልጣኑ ይሓድግ ከምዘሎ ፎረይን ፖሊሲ ዝተባህለ መርበብ ዜና ንዲፕሎማስያውይን ምንጭታቱ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

እቲ ኣምባሳደር፣ መዝነቱ ክሓድግ ምዃኑ ይዝረብ እኳ እንተሃለወ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግና ዛጊት ከምዘየረጋገጸሉ እቲ መርበብ ዜና ብተወሳኺ ኣነጺሩ።

ቅድሚኡ’ውን ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ፣ ኣብ ወርሒ ሚያዝያይ 2021 ዝተመዘዘ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን፣ ትሽዓተ ኣዋርሕ ጥራይ ጸኒሑ፣ ኣብ ጥሪ 2022 መዝነቱ ሓጊዱ ‘ዩ።

እዞም ንምምሕዳር ባይደን ብምውካል፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተመደቡ ኣምባሳደራት፣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ መዝነቶም ዝሓድግሉ ዘለዉ ምኽንያት፣ ብንጹር ኣይተፈልጠን።

ይኹን’ምበር፣ ነቲ ኣብ ሰንኮንፍን ተኣፋፊ ጸጥታዊ ኩነታትን ዝርከብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ንኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ኣሻቓሊ መድረኽ ክኸውን ከምዝኽእል ተንተንቲ የረድኡ።

ምምሕዳር ባይደን ናብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝመዘዞም ክልተ ፍሉያት ልኡኻት፣ ኣብዚ ናይ ሓደ ዓመት ናይ ድምር ስርሖም፣ ብዘይካ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኩሎም መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባን ካልኦት ሰበ ስልጣንን መሻርኽቲ ኣካላትን ክመያየጡ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ኣምባሳደር ሳተርፊልድ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ምቑራጽ ተጻብኦታት ዝህቦ ተስፋን ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛትን ብዝምልከት ንምምይያጥ ሎሚ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ‘ዩ።

እዚ ዑደት ናይ መወዳእታኡ ክኸውን ከምዝኽእል’ውን ይግመት።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0