ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባ ኵናት ትግራይ ንምዝታይ ጽባሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ’ዩ

Radio Erena: 05 January 2021

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን፣ ብዛዕባ ኵናት ትግራይን ፖለቲካው መዕለቢ ክርከበሉ ኣብ ዘሎ ተኽእሎታትን ብዝምልከት ንምምይያጥ፣ ጽባሕ ሓሙስ 6 ጥሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክኣትይ’ዩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደመቀ መኮነን ምስ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ክመያየጥ።

ምስዚ ዓመቱ ኣሕሊፉ ዘሎ ኵናት ብዝተሓሓዝ፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እገዳ ኣንቢራ ዘላ ኣመሪካ፣ ናብ ሰለማዊ ህዝቢ ረድኤት ንኸይባጻሕ ዝዓግት ከበባ ከብቅዕን ኩሎም ተተጻረርቲ ወገናት ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ክቐርቡን ከተቕርቦ ዝጸንሐት ጻውዒት ዛጊት ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።

ምስ ምውላዕ ኵናት ትግራይ፣ ፍሉይ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኑ ዝተመዘዘ፣ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን፣ ናብ ኣዲስ ኣበባን ጎረባብቲ ሃገራትን ተደጋጋሚ እዋን ብምምልላስ፣ ተመሳሳሊ ዘተ ኣካይዱ’ዩ።

ምክትል እቲ ፍሉይ ልኡኽን ክኢላ ፖለቲካ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ፓይተን ኖፍ ዝመርሖ ካልእ ጉጅለ ምምሕዳር ባይደን’ውን ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ንምዝታይ ናብ ኬንያ ክኣቱ ምዃኑ ዲፕሎማሰኛታት ይጠቕሱ።

ኵናት ትግራይ፣ ብተዛማዲ ኣብ ህድኣት እኳ እንተሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ነፈርቲን ድሮን መጥቓዕቲ ሓይልታት ትግራይ ድማ ናይ ከቢድ ብረት ደብዳባት የካይዱ ምህላዎም’ዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ መንግስቲ ኢትዮዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ድሮንን ነፈርቲ ውግእ ደብዳባት፣ ኣማኢት ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተለን ከምዘቝሰለን ሓይልታት ትግራይ ይወቕሱ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብዚ እዋን ብተዛማዲ ዝሃድኣሉ ምኽንያት፣ ናይ ክልቲኦም ወገናት ወትሃደራዊ ምድኻም ወይ ጃላነት ዝፈጥሮ ምዃኑ ተንተንቲ ይጠቕሱ።

እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ጃላነት ሃዋሁ ንዝርርብ ክዕድምም ዝኽእል እኳ እንተኾነ፣ ወትሃደራዊ ሓይሎም ኣብ ዘደልደለሉ እዋን፣ እቲ ኵናት ብዝበኣሰ ክባራዕ ተኽእሎ ከምዘሎ እቶም ተንተንቲ ይእምቱ።

=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0