ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ብዛዕባ ህሉው ኢትዮጵያ ንምዝታይ ናብታ ሃገር ከምርሕ’ዩ

Radio Erena: 13 August 2021

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ፣ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን፣ ብዝዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ንምዝታይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምርሕ’ዩ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፣ ናብ ኢትዮጵያ ዘምርሕ ዘሎ፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ፣ ህወሓት ምስ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ተጻረርቲ ሓይልታት ብምዝታይ፣ ነታ ሃገር ብጸጥታን ርግኣትን ክመርሕ ፖለቲካዊ ይኹን ወትሃደራዊ ብቕዓት የብሉን ዝብል መደምደምታ ካብ ሓያሎ ወገናት ኣብ ዝስምዓሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣምባሳደር ፌልትማን፣ ናብ ጂቡቲን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን’ውን ክበጽሕ ምዃኑ ተሓቢሩ ኣሎ።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0