ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ ንመጀመርያ እዋኑ ናብ መቐለ በጺሑ

Thursday, 24 November 2022

ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ፣ ድሕሪ ‘ቲ ብ2 ሕዳር፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቑራጽ ቶዅሲ፣ ንመጀመርያ እዋኑ ናብ መቐለ በጺሑ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ፣ ኣብ መቐለ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ኣብ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን ትግራይ ክዝትዩ’ዩ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ክኣቱ ምስ ምጅማሩ፣ ትግባረ እቲ ስምምዕ ንምቅልጣፍ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ኤሌክትሪክን ኢንተርነትን ዝኣመሰለ መስረታዊ ኣገልግሎታት ዝኸፍተሉን ሓይልታት ትግራይ ድማ ዕጥቖም ዘውርድሉን መስርሕ ክከታተል’ዩ።

ሓይልታት ትግራይ ዕጥቖም ዝፈትሕሉ መስርሕ ብዝምልከት፣ ካብ ታሕቲ ክሳብ ላዕሊ ንዘለዉ ኣባላቶም ሓበሬታ ይወሃብ ከምዘሎ ኣዛዚ ናይቶም ሓይልታት፣ ጀነራል ታደሰ ወረደ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።

ንሱ፣ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ድሌት ከምዘሎ እኳ እንተረጋገጸ፣ ኣብ ኣተገባብርኡ ጸገማት ከጓንፍ ከምዝኽል ኣሚቱ።

ትግባረ እቲ ስምምዕ ንምቕልጣፍ፣ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ኣለዎ ዝብል መግለጺታት ብወገን ትግራይ ብቀጻሊ ይወጽእ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ናብ መቐለ ዝበጽሐ ኦቦሳንጆ’ውን ኣብዚ ኣርእስቲ’ዚ ብምትኳር ምስ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ይዘራረብ ምህላዉ መራኸቢ ብዙሓን ትግራይ ሓቢረን።

ኣባላት ‘ት ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝቖመት ናይ ስምምዕ ጉጅለ ዝኾኑት፡ ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፑምሌዚ ምላምቦ ንዱካን’ውን ምስ ኦቦሳንጆ ሓቢራ ናብ መቐለ ተጓዒዛ ኣላ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0