ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ሰራዊቱ ናብ ካርቱም ምእታዉ ተኣሚኑ

Radio Erena: 10 March 2023

ሰራዊት ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ሰራዊቱ ናብ ካርቱም ምእታዉ ተኣሚኑ።

ሰራዊት ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ብረቡዕ 8 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ 700 ኣባላቱ ካብ ዞባ ዳርፉር ብምምጻእ ንስልጠና ናብ ካርቱም ከም ዝሰሓቦም ተኣሚኑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት፡ እቲ ሓይሊ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባላቱ ናብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ከም ዝጸውዐ ክግለጽ እኳ እንተቐነየ፡ ኣፈኛታቱ ግን ኣሉታዊ ምላሽ እዮም ክህብሉ ቀንዮም።

ኣብ መንጎ ኣዛዚ ናይቶም ሓይልታት መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ማለት ሑመቲን፣ መራሒ መንግስቲ ሱዳን ኣል ቡርሃንን ብሰንኪ ትግባረ እቲ ኣብ ካርቱም ዝተፈረመ መቓናዊ ስምምዕ፣ ዘይምርድዳእ ተኸሲቱ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ነዚ ስጉምቲ ስዒቡ፡ ኣብ ካርቱም ዝርከቡ ወተሃደራት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ክጸንሑ ተሓቢርዎም ከም ዘሎ ይንገር ኣሎ።

ሱዳን ትሪቡን፡ ስሙ ክግለጽ ንዘይደለየ ኣባል ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ኣዘራሪበ ረኺበዮ ኣብ ዝበሎ ሓበሬታ፣ እዞም ወተሃደራት ታዕሊም ንምውሳድ ተባሂሉ ካብ ሓሙሽተ ዞባታት ዳርፉር ናይ ዝመጹ ወተሃደራት መበል 13 ዙር እዮም ኢሉ።

እንተኾነ እቲ ምንጪ፣ ምምጻእ ናይዞም ሓይልታት ምስቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ወጥሪ ምትሕሓዝ ከም ዘይብሉን፡ ቅድሚ ኣዋርሕ ተወሲኑ ዝጸንሐ ጉዳይ ምዃኑን ገሊጹ።

ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ሑመቲ፡ ህልኹ ምስ ወተሃደራት ሱዳንን ኣዘዝቶምን ዘይኮነ ምስ ውሑዳት ጠላማት እዮም ዝበሎም መራሕቲ ጥራይ ምዃኑ ከም ዝገለጸ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ መንጎ ወታሃደራት ሑመቲ፡ መንግስትን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ዝኽሰት ዘሎ ምፍጣጥ ናብ ዝበኣሰ ኲናት ሕድሕድ ከይምዕብል ተሰጊኡ ከም ዘሎ ይግለጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0