ፈረንሳ፣ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ብሪጣንያ ንምግታእ፣ ኣስታት 900 ተወሰኽቲ ኣባላት ሓለዋ ዶባት ከተዋፍር’ያ

Radio Erena: 16 November 2022

ብጉዳይ ዋሕዚ ሓተቲ ዑቕባ ክሰሓሓባ ዝጸንሓ ብሪጣንያን ፈረንሳን ሓድሽ ስምምዕ ከቲመን።

እተን ሃገራት ብ14 ሕዳር ብዝበጽሐኦ ስምምዕ መሰረት፣ ፈረንሳ ካብ መሬታ ተበጊሶም፣ ብመንገዲ ካሌን ካልእ ከባቢታትን ናብ ብሪጣንያ ንዝሰግሩ ሓተቲ ዑቕባ ንምግታእ ኣስታት 900 ተወሰኽቲ ኣባላት ሓለዋ ከተዋፍር’ያ።

ብሪጣንያ ብወገና፣ ናብ መሬት ፈረንሳ ንዝልኣኽ ተቖጻጻሪ ሓይሊን ንወጻኢታት ናይቲ ፈረንሳ እተዋፍሮ ኣሃዱ ሓለዋ ዶባትን ዝውዕል፣ ንሓደ ዓመት 74 ሚልዮን ዶላር ክትከፍል’ያ።

መዓልታዊ ብጀላቡን ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን እናተሓብኡን፣ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ናይ ዝሰግሩ ዘለዉ ብዝሒ ሓተቲ ዑቕባ ካብ 10ታት ናብ ኣማኢት ሰጊሩ ይርከብ።

ብሰንበት 12 ሕዳር ጥራይ 853 ሓተቲ ዑቕባ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ዘቤታዊ ጉዳያት እታ ሃገር፣ ኣብዚ ዓመት ብጠቕላላ ልዕሊ 40 ሽሕ ከምዝበጽሑ ኣመልኪቱ።

ብሪጣንያ፣ ካብ መጀመርያ ወርሒ ናይዚ ዓመት ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ንምግዓዞም ምስታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣብ ስምምዕ እኳ እንተበጽሐት፣ ኣብ ሕግን ሰብኣውነትን ዘተኮረ ሕቶታት ስለዘለዓዓላ፣ ዛጊት ግብራዊ ክኸውን ኣይከኣለን።

ኣሽሓት ኤርትራውያን ዝርከብዎም፣ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝወሓዙ 10ታት ኣሽሓት ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን፣ ብናይ ጎማ ጃላቡን ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ብምሕባእን ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ፈረንሳ ከምዝተኣኻኸቡ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0