ፈረንሳ፣ ኵናት ትግራይ ንኸብቅዕ ዘተ ክጅምር ጸዊዓ

Radio Erena: 03 August 2021

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፣ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ከብቅዕ፣ ብዝቐልጠፈ ዘተ ክጅመር ጸዊዑ።

ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ብ31 ሓምለ ዝወጸ መግለጺ ከምዘነጽሮ፣ ኢማኑኤል ማክሮን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ብቴሌፎን ድሕሪ ምዝርራብ’ዩ፣ ኵናት ትግራይ ብዘተ ክፍታሕ ዝጸውዐ።

እቲ ፕርዚደንት ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ’ቲ ዞባን ምስ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት’ውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ብቴሌፎን ተመያይጡ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳን ናይ ቴሌፎን ዘተ ዘካየደ፣ ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራትን ላዕለዎት ልኡኻተን ናብዘን ሃገራት ኣብ ዝሰደዱሉ እዋን’ዩ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ኵናት ብዘተ ጥራይ ከምዝፍታሕ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ኣብ ዝደፍኣሉ ዘሎ ግዜ፣ ሓይልታት ትግራይ ምቁራጽ ቶኽሲ ክትግበር እንተኾይኑ፣ ኣብ ትግራይ ተቋሪጹ ዝርከብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብዝቐልጠፈ ክጅምር፣ ኣብ ልዕሊ መራኸቢታት ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ክልዓል፣ ንትግራይ ዝግባእ ባጀት ክልኣኽ፣ ኩሎም መንገድታት ንሰብኣዊ ረዲኤት ክፉታት ክኾኑ፣ ተወላዶ ትግራይ ዝኾኑ ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑን ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ጃምላዊ ማእሰርቲ ደው ክብልን ዝጽውዕ ቅድመ ኩነታት ኣቕሪቦም ይርከቡ።

ገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ይቅጽል ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ ኵናት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ናብ ዘተ ምቕራብ ይኹን ክልተኣዊ ምቁራጽ ቶኽሲ ብዝምልከት ወግዓዊ መርገጺኡ ኣየነጸረን።

ይኹን’ምበር፣ እቲ መንግስቲ ብክተት ዝኣኻኸቦም ሰራዊትን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ዝተፈላለያ ክልላትን፣ ናብቲ ሰራዊት ትግራይ በጺሕዎ ኣሎ ዝብሃል ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ይልእኽ ከምዘሎ ይፍለጥ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0