ፈረንሳ፣ ኣብ ምእላይ ሕሙማት ዝሰርሑ ወጻእተኛታት፣ ብእኩብ ዜግነት ክትህቦም ወሲና

Radio Erena: 28 December 2020

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ ምእላይ ሕሙማት ዝሰርሑ ወጻእተኛታት፣ ብእኩብ ዜግነት ክህቦም ወሲኑ።

እዞም ኣብ ሆስፒታላት፣ መእለይዩ ኣረጋውያንን ካልእ ማእከላት ጥዕናን ክሰርሑ ዝጸንሑ፣ ስደተኛታት ዝርከብዎም ወጻእተኛታት፣ ብእኩብ ዜግነት ፈረንሳ ክወሃቦም ዝተወሰነሉ ምኽንያት፣ እታ ሃገር ኣብ እተካየዶ ዘላ መኸተ ለበዳ ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም ንዝኸፍልዎ ዘለዉ ከቢድ ዋጋ ምዃኑ፣ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኣፍሊጡ።

ዛጊት ንኣስታትት 700 ወጻእተኛታት ዜግነት ክወሃቦም ተወዲኡ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ሚኒስትሪ፣ ካልኦት’ውን፣ ሰነዳቶም ብምርካብ ክምዝገቡን ጉዳዮም ብዝቐልጠፈ መልሲ ክወሃቦን ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ።

ድሕሪ’ዚ ውሳኔ ኣስታት 3 ሽሕ ሰራሕተኛታት ተመዝጊቦም ኣለዉ።

ኣብ ፈረንሳ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ንኣስታት 5 ዓመታት ዝተቐመጠ ዝኾነ ወጻእተኛ ዜግነት ናይ ምሕታት መሰል ኣለዎ።

ይኹን’ምበር እቲ መስርሕ፣ ብዙሕ ሰነዳት ዝጠልብን ክማልእ ዘለዎ ቕጥዕታት’ውን ብዙሕ ምስ ምዃኑን እቲ መስርሕ’ውን ክሳብ 3 ዓመታት ስለዝወስድን፣ ብዙሓት ወጻእተኛታት ዜግነት ከይሓዙ ነዊሕ ዓመታት’ዮም ዝቕመጡ።

መንግስቲ ፈረንሳ፣ ነዞም ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፎም፣ ፈረንሳ ዝጠለበቶ እዋናዊ መስዋእቲ ይኸፍሉ ኣለዉ ዝበሎም፣ ካብ ናይ ጽሬት ክሳብ ሞያዊ ሓኪም ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕና፣ እዚ ኩሉ መስርሕ ክሓጽረሎም ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ’ውን፣ ብዘይካ’ቲ ብሓፈሻ መዲብዎ ዘሎ መተባብዒን ካልእ ረብሓታትን፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰራሕተኛ ሕክምና፣ 1500 ኤውሮ ሞቕሽሽ ሂቡ’ዩ።

ለበዳ ኮረና ቫይረስ ንምምካት ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ፣ ኣለይቲ ሕሙማት ብፍላይ ድማ ኣብ ምእላይ ኣረጋውያን ዝሰርሑ ሰባት፣ ቀንዲ ተለከፍቲ እቲ ቫይረስ ክኾኑ’ዮም ጸኒሖም።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ፈረንሳ ጀሚሩ ዘሎ ክታበት ጸረ ኮረና ቫይረስ ድማ ብቐዳምነት ከምዝወሃብ’ዮም ተሓቢሩ።

ኣብ ፈረንሳ፣ ዛጊት ኣስታት 2.5 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 62,600 ሰባት ድማ ሞይቶም።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0