ፈረንሳ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ንዘሎ ጉዳያት ንምሽምጋል ተበግሶ ክትወስድ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ሓቲቱ

ፈረንሳ፣ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ንዘሎ ጉዳያት ንምሽምጋል ተበግሶ ክትወስድ ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ሓቲቱ

Radio Erena: 30 October 2018

France Ethiopia

መነግስቲ ፈረንሳ፣ ኣብ መንጎ ጅቡትን ኤርትራን ንዘሎ ዘይተፈትሐ ጉዳያት ንምሽምጋል ተበግሶ ክወስድ ኣብታ ሃገር ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዘካየደ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ሓቲቱ።

ንሱ ብ29 ጥቅምቲ ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ድሕሪ ምዝርራብ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ፕረዚደንት ፈረንሳ ነቲ ኣብ መንጎ ‘ዘን ክልተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ጉዳያት ኣብ ምፍታሕ ክዋሳእ ንዘቕረበሉ ሕቶ እወታዊ ምላሽ ብምሃብ፣ ካብ ዝመጽእ ሰሙን ኣትሒዙ ምስ ፕረዚደንታት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን እስማዒል ዑመር ገለን ክዘራረብ ምዃኑ ከምዘረጋገጸሉ ጠቒሱ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዘሎ ጉዳያት ብሽምግልና ንምፍታሕ ፈለማ ተበግሶ ዝወሰደት ሃገር ቀጠር’ያ።

ኣብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ድሕሪ ዘጋጠመ ምክፍፋል፣ ኤርትራን ጅቡቲን ምስ ስዑዲ ዓረብ ብምውጋነን፣ ቀጠር ነቲ ንሸሞንተ ዓመታት ዘሳላየቶ መስርሕ ሰላም ኤርትራን ጅቡቲን ከምዘቛረጸቶ ኣፍሊጣ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ ናብ ሰላም ድሕሪ ምቕርራበን፣ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ዞባውን ኣህጉራውያን ተነጽሎታት ገጢምዎ ዝጸንሐ መንግስቲ ኤርት ምስ ሶማልን ጅቡትን ንምቕርራብ ሓድሽ ተበግሶ ወሲዳ።

ድሕሪ’ዚ ናይ ኢትዮጵያ ጻዕርታት፣ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ’ውን ንመራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ብኣካል ኣቐርራሪቡ ከምዘዘራረቦም ይፍለጥ።

ጅቡቲ ዘለዋ ጉዳይ ሃለቶም ዘይተፈልጡ ምሩዃታን ዶባዊ ምስሕሓብ ኣብ ከባቢ ራስ ዱሜራን መዕለቢ ከይተገብረሉ ዝምድንኣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ንቡር ከምዘይትመልስን፣ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ እቲ መንግስቲ ዘንበሮ እገዳ ክልዓል ከምዘይትጽውዕን’ያ ትገልጽ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ፣ ኢማኑኤል ማክሮን ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ከካይድ ምዃኑ ይግለጽ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0