ፈረንሳ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሓተቲ ዑቕባን ናይ ቁጠባ ስደተኛታትን ንምስጓግ ትውጥን

ፈረንሳ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሓተቲ ዑቕባን ናይ ቁጠባ ስደተኛታትን ንምስጓግ ትውጥን

Radio Erena: 21 December 2017

macrመንግስቲ ፈረንሳ፣ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሓተቲ ዑቕባን ናይ ቁጠባ ስደተኛታትን ንምስጓግ ዘድሊ መስርሕ የሳልጥ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ዠራርድ ኮሎምብ ናብ መደበራት ምቕባል ሓተቲ ዑቕባን ስደተኛታትን (Prefecture) ኣብ ዝለኣኾ ዘዋሪ ደብዳቤ፣ ጉዳይ ናይቶም ዘቕረብዎ ሕቶ ፖለቲካዊ ዑቕባ ዝተነጽጉን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ናይ ቁጠባ ስደተኛታትን፣ ብዝቐልጠፈ ጸብጻብ ክቐርብ ሓቲቱ።

 

እቲ ሚኒስተር ነዚ ዝሓትት ዘሎ፣ መንግስቲ ፈረንሳ ሓድሽ ሕጊ ስደተኛታት ንምትእትታውን 10ታት ኣሽሓት ስደተኛታት ንምስጓግን ውጥን ከምዘለዎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ፈረንሳ፣ ዓመታዊ ኣስታት ን19 ሽሕ ስደተኛታት ዑቕባ ክትህብ እኳ እንተጸንሐት፣ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ኮታ ናብ ኣስታት 5 ሽሕ ጥራይ ንምውራዱ ይሰርሕ ከምዘሎ’ዩ ዝውቀስ።

ዜጋታት ሶርያ፣ ኤርትራን ሱዳንን ኣብ ፈረንሳ ብብሒ ፖለቲካዊ ዑቕባ ምሕታት ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ተሰሪዖም ከምዘለው ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ይሕብር።

ይኹን’ምበር ካብዞም ኣብ ፈረንሳ ብስም ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ብዙሓት ዜጋታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ከምዝርከብዎም ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0