ፈረንሳ፣ ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ንምዕዋት ክትተሓጋገዝ ቅርብቲ ምህላዋ ገሊጻ

Radio Erena: 03 February 2022

ፈረንሳ፣ ተኣሚሙ ንዘሎ ሃገራዊ ዘተን ናይ ተሃድሶ መደባትን ኢትዮጵያ ንምዕዋት ቅርብቲ ምዃና ገሊጻ።

እታ ሃገር ነዚ ዝገለጸት፣ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ፈረንሳ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ፍረደሪክ ክላቭየ፣ ኣብ ባሕቲ ለካቲት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምብጻሕ ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ’ዩ።

ኣቶ ደመቀ መኮነን ብወገኑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘተንን መስርሕ ሰላምን ንምትብባዕ ክብል፣ ሰራዊቱ ናብ ክልል ትግራይ ካብ ምእታው ከምዝተቖጠበ ንፍሉይ ልኡኽ ፈረንሳ ገሊጽሉ።

ይኹን’ምበር፣ ህወሓት ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዳግም ጀሚርዎ ዘሎ መጥቃዕቲ፣ ነቲ ትጽቢታት ከይዕንቅፍ ስግኣት ከምዘሎ እቲ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ጠቒሱ።

ፈረንሳ፣ ኵናት ኣብ ትግራይ ምስተወልዐ፣ ምስ ኢትዮጵያ ንዝኸተመቶ፣ ዳግመ ምቛም ሓይሊ ባሕርን ምሕዳስ ሓይሊ ኣየርን ዝርከቦ ወትሃደራዊ ስምምዕ ከምዘደስከለቶ ይፍለጥ።

እታ ኤውሮጳዊት ሃገር፣ እቲ ኵናት ብዘተ ክፍታሕን ረዲኤት ናብ ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብዘይዕንቅፋት ክባጻሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከበባ ክልዕሎን ክትጽውዕ ጸኒሓ’ያ።

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፣ ዘይቀጥታዊ ዘተ ተጀሚሩ ከምዘሎ ክጥቀስ እኳ እንተጸንሐ፣ ክልቲኦም ወገናት ግና ዝኾነ ዝርርብ ከምዘየለ ‘ዮም ዝሕብሩ።

ኣዲስ ኣበባን መቐለን እናተመላለሰ ምስ ክልቲኦም ወገናት ክራኸብ ዝጸንሐ፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ፣ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ፣ ተስፋታት ምህላዉ ከምዝኣንፈተሉ እቲ ዋና ጸሓፊ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ገሊጹ’ዩ።

========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0