ፈረንሳን ሱዳንን፣ ንጸጥታን ሰላምን ጫድ ብሓባር ክሰርሓ ተሰማሚዐን

Radio Erena: 25 April 2021

ፈረንሳን ሱዳንን ኣብ ጫድ ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ስልጣን ሃጓፍ ክሳብ ሕጋዊ መዕለቢ ዝግበረሉ፣ ንጸጥታን ሰላምን’ታ ሃገር ብሓባር ክሰርሓ ምዃነን ተሰማሚዐን።
ፍሉይ ልኡኽ ፈረንሳ ኣብ ሱዳን፣ ዣን ሚሸል ዱሞ ምስ ሱዳናዊ መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ብምርኻብ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፣ ንፕረዚደንት ኢድሪስ ደቢ ብወግዒ ዝትክእ በዓል ስልጣን ክሳብ ዝምረጽ፣ እታ ሃገር ብመሰጋገሪ መንግስቲ ክትካየድ ኣብ ዝብል ሓሳብ ከምዝተሰማምዑ ተገሊጹ።
ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ወዱ ንኢድሪስ ደቢ፣ መሃመት ደቢ ዝመርሖ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ባዕሉ ስልጣን ብምርካብ፣ ንነብሱ ከምግዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ መዚዙዋ ይርከብ።
ኣብታ ሃገር ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካዪዱ ዘለዉ ተቓወምቲ ሓይልታት፣ ንመሃመት ደቢ ከም ፕረዚደንት ከምዘይቅበልዎ፣ ንርእሰ ከተማ እንጃመና ንምቁጽጻር ከኣ ቃልሶም የሐዪሉ ከምዘለዉ ገሊጾም።
ግዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ብመልክዕ ቆንስል መስሪታ ዘላ ሱዳን፣ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መስርሕ ኣብ ጫድ ንምትግባር፣ ድሌት ፈረንሳ ምዃኑ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝርከቦም ሰበስልጣን ፈረንሳ ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።
ኣብ ጫድ ካብ ወተሃደራዊን በርገሳዊን ሰበስልጣናት ዝተዋጸአ ግዚያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ብናይ ወጻኢ ሓይልታት ይስራሓሉ እኳ እንተሎ፣ ኣብ መንጎ መንግስትን ተቓወምቲ ሓይልታትን ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ረጽሚ ግና ይቕጽል ከምዘሎ ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0