ጽሟቕ ትሕዝቶ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ

ጽሟቕ ትሕዝቶ መልእኽቲ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ

Radio Erena: 9 June, 2014

Abunat lebamat

ነዚ ንምግባር ዚደፍኣና ዘሎ ምድራዊ ወይ ሓላፊ ነገር ንምዕታር ወይ ክብርን ዝናን ተመኒና ወይ ድማ ንኻልእ ናብ ወገንና ንምስሓብ ዘይኮነስ ናይ ኣገልግሎት ባህጊ ጥራሕ’ዩ።

ንሃገርና ክንርኢ ከሎና፣ መሊኡ ዚፈስስ ባሕርያዊ ሃብቲ’ኳ እንተዘይብላ፣ ኣብ ካልእ ዓለም ንዘጋጥም ገሊኡ ባሕርያዊ ሓደጋታት ርኢኻስ፣ ብህዱእን ሰላማውን ኵነታት ኣየርን ንብረትን ስለዝባረኸና፣ ፈሪሓ-እግዚኣብሔር ዝሓደሮ፣ ምስ ዝኸምኡ ሰብ ብሰላም ዚሓድር ሰላማዊ ሕዝቢ ስለዝሃበና፣ ብዓሌትን ወገን ሃይማኖትን ከይተጠማመተ ዚነባበር፣ ነቲ ብዝሓትን ዓይነትን ከም በረኸት ጠሚቱ ዚከባበር፣ ነቲ ብሩህ መጻኢኡ ብህድኣትን ርግኣትን ዘማዕዱ፣ ኣብ ሰላም ዚኣምንን ሕዝቢ ስለ ዝገበረና፣ ንኣምላኽና ከነመስግኖ ይግባእ።

1. ህልቂት ባሕሪን ሳሃራን

 

ኣብ ዝሓለፈ ወርሓት መስከረም/ጥቅምቲ፣ ኣብ’ቲ ፍረ ኽራማት ዚሕፈሰሉን፣ ሕይወት ዚሕደሰሉን፣ ናይ ግእዛዊ ሓዲስ ዓመትና ተስፋ ዚንቀሳቐሰሉ ወርሓት፣ ካብ ሃገርና ሓሊፉ ንኅሊና መላእ ዓለም ዝቐስቀስ፣ ኣብ ባሕሪ መዲተራንያን ብዝተፈጸመ ናይ መእንሰያትና ሕልፈት ወይ ኅልቀት፣ ንሕዝብና ኣብ ስንባደን ራዕድን ዘጥሓሎ እዩ። እዚ ፍጻሜ’ዚ ከኣ ናይ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ፈቖዶ ሩባን ኵርባን፡ ኣብ ፈቖዶ ባሕርን ምድረበዳን፡ ብኢድ ገፋዕትን ጨወይትን ኪፍጸም ናይ ዝጸንሐ ተመሳሳሊ ኅልቀት መቐጸልታኡ እዩ። ስለ’ዚ ንቐዳሞትን ንዳሕረዎትን ክንሓስቦም ግዲ እዩ። ኣብ ገገዝኡ ብሕቱ ዘይኮነስ መላእ ሕዝቢ ኪበኽየሎም ተረኺቡ።”

2. ዋሕዚ ስደትን ሳዕቤናቱን

እዚ ከም’ዚ ዝበለ ፍጻሜ ማለት፣ ናይ ባሕሪ ኅልቀትን፡ ናይ ምድረበዳ ሕልፈትን፡ ናይ ጨወይቲ ግፍዕታትን፣ ኣብ’ዚ ሥልጡን እዋን ፣ እሞ ኣብ ኣፍደገ’ቲ ሥልጡን ዚበሃል ዓለም ዝተፈጸመ ምዃኑ በሓቂ “ዜሕንኽ ተቐባልነት ዘይብሉ፣ ምስ’ቲ ወድሰብ በጺሕዎ ዘሎ ናይ ምዕባሌን ሥልጣኔን ደረጃ ዘይኸይድ”’ዩ።

“ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ሓውትኻ ኣበይ ኣላ? ውላድካ ውሉደኩም ኣበይ ኣለዉ?ኣብ ከመይ ዝበለ ኵነታት ይርከቡ ኣለዉ?…” እናበለ፡ ካብ ሓያሎ ዓመታት እናናሳዕ ይረአ ንዘሎ ኅልቀትን ሕልፈትን ደቅና፣ ነገር ዕላልን ወረን ጥራሕ ንዝገበርናዮ ነኣና፣ ዘየቕስንን ዘየደቅስን ሕቶ የሓተና ኣሎ።

መን’ዩ ዚሕተተሉ? ኪበሃል ከሎ፣ ኣብ ጭብጢ ምስ መጻእካ፣ ሓቂ ክትዛረብ ምስጀመርካ፣ ብርግጽ ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ዚበሃል ኣይሰኣንን ይኸውን። ብዓቢኡን ብሓፈሻኡን ግን ሰረቱ ነዊሕን ሰፊሕን ንዅሉ ዚትንክፍን እዩ። እዚ ሕቶ’ዚ ተመጢጡ፣ ሃገርናኸ ብዓባያ
ኣበይ ኣላ? ብምባል፡ ከነምልጠሉ ዘይከኣል ሕቶ እዩ።

ጥጡሕ መነባብሮን ሕይወትን ንምድላይ ዚግበር ጕዕዞ፣ ክሳብ መኣስ ኪቕጽል እዩ? እቲ ዘገርም ነዚ ብዘይሕጋዊ ኣገባብን፡ እሞ ብኽንደይ ገንዘብን ዚፍጸም ጕዕዞ፡ ንምዕጋት ዚግበር መቕጻዕትን ማዕዳታትን፣ ነቶም ዘንቀዱ ሓሳባቶም ከለውጥ ዘይምኽኣሉስ ስለምንታይ እዩ? እቲ ዝተፈተነ ካብ ዘይሰርሐኸ ካልእ ኣገባብ ኪመሃዝ ኣይምተኻእለን ድዩ?

“ኣይሰላም ኣይኲናት” ዝኾነ ኵነትና ዲዩ ነዚ ኵሉ ፈጢሩ? ዚብል ሕቶ’ኳ ዘልዕል እንተኾነ፣ ነዚ ኵነትዚ ንምልዋጥከ ድልየት ወይ ዓቕሚ የልቦን ማለት ድዩ? ንሕዝብን ንሃገርን ንዚጐድእ ኵነት ንምልዋጥከ እንታይስ እንታይ ኪግበር ዘይምተኻእለ? ፈውስኻ ካብ ርእስኻ ስለዝኾነ፣ ኅብረተሰብ ዓለም’ኳ ግቡኡ እንተዘይፈጸመ፣ እቲ ግዳይ ዝኾነ ወገን ግን ተባላሒቱ ግድሉ ንምፍታሕ ኪጽዕር፣ ረብሓኡ ዚጠልቦ እዩ። እንትርፊ ንዓመጽትን ንጨወይትን፣ ንሕዝብን ንሃገርን ካብ ዘየርብሕ፣ ካብ ከም’ዚ ዝበለ፡ ኣይሰላም ኣይኵናት ዝኾነ ሃለዋት ከምዚውጻእ ኪግበር ኣለዎ።

እዚ ስለዘይተለወጠ ከኣ፡ ህልው መነባብሮ ዘይጽወር ኮይንዎ፣ በቲ ኣብ ስግር- ማዕዶ ዘሎ ንብረትን፣ ዘይረኣዮ ሕይወትን ተሳሒቡ፡ እቲ ደላይ ለውጢ መንእሰይ ዚገብሮ ዘሎ ጕዕዞ፣ ኪጅምር ከሎ ብሕጋዊ መንገድን ኣገባብን ዝነበረ፡ ሕጂ ግን ኣንፈቱ ለዊጡ፣ ግዳይ ባሕርታትን በረኻታትን ኣራዊትን ግዳይ ኣረመናዊ መሸጣን… ክሳብ ምዃን፣ ኣዝዩ ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ተበጺሑ ኣሎ።

ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ሃለዋት ንምቕያር፡ ሓያልን ዝተዋሃሃደን ጻዕሪ፣ ማለት ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን፣ ግብራዊ ናይ ስራሕን ማኅበራዊ ኵነታትን መሠረታዊ ሕዳሴ ከም ዘድሊ ምልክታን መጠንቀቕታን ካብ ዚህብ ኣይወሓደን። ብመዳይ ሕጋውን ፖሊቲካውን ኣገባብ’ውን ነዚ ጕዳይዚ ኣብ ግምት ዘእተወ መሠረታዊ ሕቶን ጠለብን ክትጥምት ዚግድደካ እዩ፣ ነዚ ሸለል ምባል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ዜሕትት ምዃኑ ምዝካር ኣድላዪ እዩ። “

ሕዝብና ብዙሕ ቍስልታት ጸዊሩ ይካየድ ከምዘሎ ብቐሊሉ እነስተውዕሎ ዘሎና እዩ።እቲ ዝዓበየ ግና ስደት’ዩ። እዚ ዘብለና ዘሎ ድማ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይንና ይፍጸም ዘሎ፣ ናይ ሰባት ቀጻሊ ዋሕድን ዋሕዝን ብሕቱ ዘይኮነስ ንጽባሕ ከጋጥም ዘለዎ ጻንታ እዩ እቲ ዚረኣየናን ዘፍረሓናን ዘሎ። ሓደ ስደተይና ኣብ ዝኸደ ኸይዱ፡ናይ ሃገሩ ናፍቖትን ዝኽርን ብርግጽ የሰንዮ ይኸውን፣ ኣብ ታሪኽ ከም ንርእዮ ግን፡ ንዓዶም ተመሊሶም ዝተባህሉ ስደተይናታት ብኣጻብዕ ዚቝጸሩ እዮም። እዚ ናይ ሕጂ ንኡስን ማእከላይን ዝበልናዮ ወለዶ ጥራሕ ኣይኮነን ዚጠፍእ ዘሎ፡ እቲ ኪትከኦ ዝነበሮ፡ ማለት እቶም ብሕፃናቶም ዝኸዱን፡ ኣብ ዓዲ ስደት ዚውለዱን ደቆም ኵሎም፣ ሃገር ዝኸሰረቶ ወለዶ ከይከውን ዘየፍርሕ ኣይኮነን።

“ካብ ምላድ ምልማድ” ስለዝኾነ፣ እዞም ዝጠቐስናዮም ደቆምን ደቂደቆምን፣ ናይ’ቲ ዝዓበዩሉን ዝረብሑሉን ሃገርን ባህልን ብርቱዕ ጽልዋ ስለዘለዎም፣ ናይ ሃገሮምን ሕዝቦምን ስምዒትን ስሕበትን ንኺሓድሮም ብዕቱብ እንተ ዘይተጻዒሩ ጸገም ምምጻኡ ዘይተርፍ እዩ። ንሃገር ድማ እቲ ኣብ ውሽጣ ኮይኑ ዚሓንጻ’ዩ ሕልፊ ዜድምዓላ። ስለ’ዚ እዛ ሃገር ትባድም ከምዘላ ዘመልክት ኣውያት’ያ እተስምዕ ዘላ። ኣውያታ ከኣ ናብ ኵሉ እዩ፣ ናብ ውልቀሰባት ስድራታት ናብ ዓበይቲ-ዓዲ ናብ መራሕቲ መንፈስን መራሕቲ ፖለቲካን… ዚቐርብ ዘሎ ጥርዓን እዩ። ምእንት’ዚ ዘለዉ ከምዘይከዱ፡ ዝኸዱ ከኣ ከምዚምለሱ ንምግባር ብልሓትን ትብዓትን ዜርኢ ተበግሶታት ከድሊ እዩ።

“ዓድኻን ዓይንኻን ኣይምኖን” ዚብል ምስላ ኣበው ተረሲዑ ዲና ክንብል? ሎሚ ዘሎ ኣተሓሳስባን ዝንባሌን “ዓድኻስ ጣዕማኻ ደኣ” ዚብል ይመስል፣ ማለት እቲ ጣዕምን ምቾትን እትረኽበሉ፡ ንሱ’ዩ ዓድኻ ዚብል ስለዝኾነ፣ ነዛ ሃገር’ዚኣ ንሕዝባ ምቾት፣ ጣዕሚ ስራሕ ሰላም ርግኣት…እትህብ ወይ ክትህብ እትጽዕር ንምግባራ ኣሎ ዚበሃል ብልሓትን ክእለትን ኪፍተሽ መድለየ። ሕጂ’ውን ብ2001 ቤተክርስትያን ንዝበለቶ ክንደግሞ ኵነቱን ሃለዋቱን ይግድደና ኣሎ፣ “ስለምንታይ መንእሰያትና ዓድጓና ዘማዕድዉ ምባል ትርጕም ኣይህልዎን። ዓዲ ሰላም፡ ዓዲ ፍትሒ፡ ዓዲ ስራሕ፣ ዓው ኢልካ ዝመሰለካ እትዛረበላ፡ ሰሪሕካ እተሓድረላ ዓዲ ምስ ሓዝካ፣ መዓር ገዲፉ መዓር ዜናዲ ስለዘየልቦ፣ ንስደት ክንዲ ዘማዕድዉን ዝኸዱን፣ካብ ስደት ዚምለሱን ዚውሕዙን መንእሰያት ኪህልዉና ናይ ግድን እዩ”። ከመይሲ ሃገር ደኣ እያ ምእንቲ ሰባ ምእንቲ ሕዝባ ዝቖመት’ምበር፡ ሰብ ምእንቲ ሃገር ከምዘይኮነ ብግብሪ ብጭብጢ ከረአ ኣለዎ።

ምስ’ዚ’ውን ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር (ኣብ ኣገልግሎት ኣብ ሰራዊት ኣብ ኣብያተ-ተሃድሶን ማእሰርትን…)ብዚርከቡ ኣባላታ ዝተነጻጸለት ስድራቤት፡ ዝሸምገሉን ናባዪ ዝሰኣኑን ወለዲ፡ መንፈሶም ብዓሚቝ ተሃስዩ ከም ይርከብ። እቲ ኣፍራዪ ዝኾነ ክፋል ኅብረተሰብ ካብ ስድራቤቱ ተፈልዩ ምርካቡ ዘምጸኦ ጸገማት ርኡይ እዩ። እዚ ከኣ በቲ ኤኮኖምያዊ መዳዩ ጥራሕ ዚረአ ዘይኮነስ፣ ነቶም ኣብ ቤት ዚተርፉ ኮነ፣ ነቶም ኣብ ጽምዋ ዘለዉ፣ በቲ ስነልቦናውን ሞራላውን ወገኑ፣ ብኸመይ ከም ዚሃስዮም ንምርዳእ ኣየጸግምን። ከም ሕማም ሽኮርን ጸቕጢ- ደምን ልብን…ዝበለ ሕማማት ምስፍሕፋሑ፣ናይ ሥነ-ኣእምሮ ሕማማት…ወዘተ ምብዛሑ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን።

3. ማሕበራዊ ህይወትን ሃለዋት ስድራቤታትን

ልሙድ ናይ ማኅበራዊ ሥርዓት ኣካያይዳና፣ በብቝሩብ ናብ “ነበረ” እናተለወጠ ብምኻድ መሣርዓት ኅብረተሰብን ዚጾሮ ዓንደ-ገመሉን እናተማሕወ ፈውሲ ናብ ዘይብሉ ዕንወት ገጽና ንኸይድ ኣሎና ኪበሃል ይከኣል።

ናይ ወለድን ዓበይቲ-ዓድን መዝነት፣ ኣብ ልዕሊ ደቆምን ንኡስ ወለዶን ዘለዎም ጽልዋን ሓላፍነትን ብዝተፈላለየ ኣገባብ፡ እንተ ብመራኸብ-ብዙኃን እንተ ግዜኡ ብዘምጸኦ ናይ ኣገልግሎትን ናይ መንእሰይ ኵነታትን…ተሸራሪፉ ጥራሕ ዘይኮነስ ፈጺሙ’ውን ዝተረፈ ይመስል። ንሕና እንብሎም ግን ወላ’ኳ እቲ ንቡርን ባህርያውን መዝነትኩም ዝተመንዛዕኩም ኮይኑ እንተተሰመዓኩም፣ ኢድኩም ክትህቡ ግን ኣይግባእን። ሕጂ’ውን ናይ መሪሕነትን ኣብነትን፡ ናይ ዕርቅን መንጎይንነትን… ኣገባብ ክትሕዙ፣ብግዜያዊ ጣዕምን ምቾትን ከይትምለኹን፡ ንዚመጽእ ኣማዕዲኹም ክትጥምቱ፣ ንስድራቤት ኣድሕኑ ንብለኩም። ድሕነት ስድራቤት፡ ድሕነት ሃገር እዩ። እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?”ዚብል ሕቶ፣ ብፍላይ ንስድራቤት ኣብ ስድራቤት ንዚፍጸም ኵሉ ዚርኢ እዩ፣ ከመይሲ ኅውነት ዚፍጠረሉን ዚዓብየሉን ዚዕንብበሉን ባይታ ስድራቤት እዩ።
“… ስድራቤት መሠረት ኅብረተሰብ እያ። ኣብ’ዛ ስድራቤትዚ’ኣ ወለዶታት (ዓበይትን ናእሽቱን) ይራኸቡ፣ምስ ናይ ማኅበራዊ ናብራ ግድነታቶምን ግቡኣቶምን ኣወሃሂዶም፣ ውልቃዊ መሰላቶምን ግቡኣቶምን እናማዕበሉ፡ እናበሰሉ ንኪኸዱ እተኽእል፣ ብሓባር ዚነብሩላ ተቅዋም እያ” ስለ’ዚ ንስድራቤትን ንናይ ቃልኪዳን ሃለዋትን ንምድሓን፡በቲ ቅኑዕ መንገዱ ከምትስጕም ምግባር የድሊ።

4. ግዝኣተ ሕጊ

ኣብ ሕዝባውን ማኅበራውን ኣሠራርዓ እንተመጻእካ፣ ሥልጣን ንኣገልግሎት፡ ከምኡ’ውን ካብ ሕዝቢ ንሕዝቢ ምዃኑ ተረሲዑ፣ ፈታዊኻ እትደምዓሉ፣ ብግቡእን ዘይግቡእን ንርእስኻ እተጣጥሓሉ ኮይኑ ስለዚርከብ፣ ናብ ግቡእ ቦታኡ ንምምላሱ ሓዲስ ብልኃትን ተሓታትነትን፣ ብቕኑዕ መስመር ዚግበር ተወፋይነትን ዚሓትት ኵነታት እዩ። እቲ ብልሽውና ዚብል ቃል’ውን ኣብ ማኅበራዊ ናብራና ናቱ በሰላን ማህሰይትን ከምዘለዎ ዚከሓድ ኣይኮነን።

ብልሽውና ኪበሃል ከሎ፡ ብገንዘብ ገቢርካ ግቡእን ዘይግቡእን ንምርካብ ንዚግበር ፈተነ ጥራሕ ዚርኢ ኣይኮነን፣ ናይ ኅብረተሰብ ኅሊናን ኣተናን ኪቕበሎ ካብ ዚኽእል ሥሩዕ መንገድን፣ ካብ ልምድን ኣገባብ ሕግን ወጺእካ ምስራሕ’ውን ንርእሱ ብልሽውና እዩ። እቲ ቐንዲ መበቈሉ ኣገባብ-ቍጽጽር ምድኻሙ፣ናይ ግልጽነትን ተሓታትነትን ኣገባብ ዘይምትእትታዉ ኮይኑ ይረአ፣ ነቲ ዚፍጸም ዘሎ ብልሽውና ሰባት ክንዲ ዘቃልዑን ዘቃልሑን፣ጕዳይካ ከምዚሰልጠካ ጥራሕ ብምግባር፣ ብዙሓት ዝጠሓሉሉ ቀላይ ኮይኑ ኣሎ። ንመደብ ሓቅነት ጥሒስካ፡ ብሓሶት ክትካየድ ምፍቃድ ንርእሱ ውጹእ ብልሽውና እዩ። ፈሪሃ እግዚኣብሔርን ሓለዋ ሕጉን ዘይብሉ ሰብ ከኣ፣ከም ዓመጽን ግፍዕን ኣብ ዝበለ ኵነታት ምውዳቑ ዘይተርፎ እዩ።

ንሕዝብና ካብቲ ቀንዲ መለለዪኡ፣ ናይ ሕጊ ዕብየትን ግዝኣትን ዚፈልጥ ምዃኑ እዩ።
“ዝባን ሕጊ” ቢሉ፡ዘንጊ-ሕጊ ቀጥ ዘበለ ሰብ፣ካብ’ቲ ዘንጊ ብረትን ኵናትን ዘልዓለ ንላዕሊ ዚፍራሕን ዚኽበርን እዩ። እዚ ጽቡቅ ልማድ’ዚ ምስጠፈአ ድዩ ብኣደዳ ብልሽውና ተወሪስና ዘሎና? ወይስ እቲ ብልሽውና እዩ ነዚ ዜጥፈኦ ዘሎ? እዚ’ውን ንሕንጸት ሃገርን ሕዝብን ዚርኢ ጕዳይ ምዃኑ ኪዝከር ኣለዎ ንብል። ብሕጊ ዚሕተትን ዚእሰርን ኵሉ፡ ቅድሚ ኵሉ ብሰብኣውነትን ብናይ ድንጋጸ ኣገባባትን ዚተሓዘሉ፣ ቀጺሉ ድማ በቲ ጥሒስዎ ዝተባህለ ሕጊ መሠረት ብዝቐልጠፈ ኪፍረድን ጕዳዩ ኣብ መዕለቢኡ ኪበጽሕን፣ብዓቢኡ ከኣ ብቅዋማዊ ሕጊ ክትምራሕ ምድላይ፣ ዝኾነ ይኹን ንርትዕን ፍትሕን፣ ንኡነተይና ሓርነትን ዝቖመ ኣካል ዚጽበዮ ነገር ስለዝኾነ፡ ዕቱብ ኣቓልቦ ኪረክብ ኣለዎ። ምስ’ዚ እውን ብዝዓበየ ናይ ሃገርካ ግድላትን ጸገማትን፣ ብጽሑፍ ኮነ ብዘረባ ብግልጺ ዘይምክታዕ፡ ኣብ ዘተ ዘይምእታው፡ ብዋሕዲ ሓበሬታን ግልጽነትን ዚኣክል፡ ንጕዳይ ሃገር ዚርኢ ዘይምፍላጥን፣ንጹር መረዳእታን ዘይምርካብን፣ ናይ ሕሹዅ- ሹዅን ሕሜታን ሓሶትን ግዳይ ምዃን፣ ምስ’ዚ ኣብ ዝተተሓሓዘ ነገራት ምውዳቕ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ “እንታይ ገደሰኒ” ዝዓይነቱ ስምዒት የማዕብልን ይዕብልልን። ጽን ኢልና ድምጺ ኃውና ክንሰምዕን ክንሰማማዕን፣ ኣበይ ኣሎ/ኣሎኻ? ኢልና’ውን ንሃለዋት ኃውና ኣቓልቦ ስለዘይንገብረሉ፣ እቲ ካልእ ዚብሎን ዚኾኖን ንምርዳእ ስለዘይተበገስና፣ ግድላትናን ፍልልያትናን መዓልቲ መጽአ እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ ይረአ።

5. ትምህርትን ቁጠባን

ትምህርቲ መሠረት ስራሕን ምዕባሌን፣ መሠረት ማኅበራዊ ለውጥን ኪኸውን፣ ነዛ ሃገር ከኣ ናብ ሓዲስ መድረኽ ዘሰጋግር ወለዶ ኪሕነጽ እንተተደልዩ፣ መሣርዓት ትምህርትን ኣገባባቱን ፈጺሙ ብሓዲሽ ብልኃትን ሥርዓትን ኪመሓየሽ ይግባእ። ንኡስ ወለዶ ናጻን ንጹሕን ብዝኾነ ኣእምሮ ኪመሃርን፣ ኣማዕዲኻ ዚረአ ናይ ስራሕ ዕድልን ውድድርን….ከምዚህልዎ ምግባር፣ ትምህርቲ ንስልጡናት ሃገራት ዘጨበጠን በረኸት ክንጭብጥ እንተደኣ ደሊና፣ እቲ ናይ ስልጡናት ሃገራት ብልሃት ትምህርትን፡ ንትምህርቲ ዘንቀሳቕስ ፍቱን መደባትን መጋበርታትን ምውናን ከምዘድሊ ብሩህ እዩ።

ነዚ ንምጭባጥ ድማ እቲ ንኻልኦት ዘርበሐ፣ ብታሪኽ ዝሓለፈን ዝተጻፈፈን ኣገባባት ምኽታል ብግዲ የድልየና፣ ካብ ተመክሮ ካልኦት ምምሃር ጽቡቕ እዩ። “… ማኅበራዊ ሥርዓትን ንብረትን ቀጻሊ ለውጥን ምምሕያሻትን ዚሓትት እዩ። ኣብ ሓቂ ዝተመሥረተ፣ ብመደብ ፍትሕን ርትዕን ዝተሓንጸ፡ ብፍቕሪ ዝተዀስኰሰ ኪኸውን፡ ብናጽነት እናዓበየ ከኣ በብዕለቱ ብዚገብሮ ጕዕዞ ናብ ዝበለጸ ሰብኣውን ሚዛናውን ብስለት ኪበጽሕ ኣለዎ”።

ናይ ነፍስወከፍ ቤት ወይ ስድራቤት ኣከያይዳ በመንጽር ኤኮኖሚ ኪረአ ከሎ፣ እቲ ኣብ ወጻኢ ዚነብር ዝቐረበን ዝረሓቐን ወገን ስድራቤት እንተዘይህሉስ እንታይ ምተገበረ? ወይ ብኸመይ ምተሓልፈ? ዚብል ሕቶ እንኪመጽኣና፣ “ኣምላኽ ሽግር ይፈጥርሞ መደያይቦ ከኣ የምጽእ” ንዚብል ምስላ ኣቦታትና ዘኪርና ንጸናናዕ። እዚ ግና ናይ ወትሩ ፍታሕ ከም ዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ስራሕ እንተ ዘይተፈጢሩን፣ እቲ ውዑይ ኃይሊ መንእሰይ ሰሪሑ ኣታዊ ኣብ ዚረኽበሉ መዳይ እንተዘይተዋፊሩ፣ ስራሓት ንግድን ሕንጸትን ዳግም እንተ ዘይተበራቢሩ፣ እቲ ናይ ድኽነት ዝለገመ ቝስልን ሕማምን ደግሲ ከም ዘምጽእ ማንም ዚስሕቶ ኣይኮነን። ካብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ናጻ ምዃን፣ እዚ ነገር’ዚ ንሃገር ብዓቢኡ ኣድማዒ እንተደኣ ኮይኑ ንውልቀ- ሰባትን ውልቀ-ስድራታትን (ድኹማትን ምግዱራትን ብዝሓደግካ) እውን ኣገዳሲ እዩ። እዚ ግን በቲ ኪምዕብል ዘለዎ ናይ ስራሕ ኵነታት ዚጥረ እዩ፣ ብውቁብ ቃላት ናይ ዝደመቐ ኣይኮነን።

ኣብ ርእስ’ቲ ዘሎ ናህሪ ዋጋታትን፣ እኹል ዘይኮነ ደሞዝን፣ እናሓደረ ዚውንጨፍ ናይ ኣባይቲ ክራያትን፣ ዝመረጽካዮ ስራሕ ምስራሕ ዘይምኽኣል፣ ነኣብነት ንብዙሕ ወገናት ኅብረተሰብ ከንቀሳቕስ ዝነበሮ፡ ሓደ ካብ’ቲ ብዙሕ፡ ስራሕ ሕንጻ ደው ምባሉ ኣዝዩ ሃሳዪ ኮይኑ ተረኺቡ። ክትንቀሳቐስን ክትሰርሕን፣ ብረሃጽካን ፍረ ስራሕካን ምንባር እንተ ዘይተኻኢሉ፡ በዚ ዓይነት’ዚ እቲ ናጽነት ውልቀ-ሰብን ሕዝብን እንተ ዘይደልዲሉ፣ ነቲ ናጽነት ሃገር ብኸመይ ኢና ክንርድኦ? ኣበይ ኢናኸ ክንረኽቦ? ብሓጺሩ ሰብኣዊ ስራሕን ምዕብልናን ኣብ ናጻ ድልየትን መሃዝነትን ዝተመርኰሰ እንኪኸውን፡ ፍረ ዘለዎን ንሰብ’ውን ዘኽብሮን ዘማዕብሎን ይኸውን። ናይ ምቾትን ናይ ጣዕምን ጕዳይ ዘይኮነስ፣ ንምህላውን ዘይምህላውን ዚርኢ እዩ፣ ከም ዕለታዊ እንጌራን ማይን መብራህትን…ዝበለ መሠረታዊ ሃላኺ ነገራት፡ ናይ መነባብሮ መሠረት ክንድዝኾነ፣ ብዚምልከቶ ወገን ዚግባእ ኣቓልቦ ኪግበረሉ፣ ብሓጺሩ ሥርዓት ኤኮኖሚ’ውን ንሰብ ብዘድምዕ ኣገባብ ኪኽለስ የድልዮ።

6. ስነ ምግባርን መንፈሳዊ ህወይትን

ንእምነት-ሃይማኖት ምኽንያት ፍልልይ ደኣ’ምበር፣ ገለ’ኳ ቁምነገር ከም ዘይብሉ ገቢርካ ምቕራቡ፡ ሃሳዪን ግጉይን ውጽኢት ከምዘለዎ፡ በቲ ብቐጻሊ ዚዓቢ ዘሎ መንፈስ ጥልመትን ክሕደትን ንሃገርን ንሕዝብን ዚጐድእ ኣገባባትን…ኪረአ ይከኣል። በንጻሩ ሕቶ እምነት ንመንነትን ንስኒትን ሃገራውነትን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዘለዎ ብምዃኑ፣ ምስ ኣምላኽ ንዘለዎ ርክቡ፣ ኣብ ሕቶ እምነት ዘለዎ መትከሉ ዘየመዓራረየ ኅብረተሰብ፣ ኣብ ዝዓበየ ጕዳይ ኪሰልጦ ጽጉም እዩ።

ምስዚ’ውን ብዛዕባ ገንዘብን ኣመጻጽኣኡን ዘሎና ርድኢት ፈጺሙ ከም ዝተለወጠ ዜርኢ ብዙኅ ምልክታት ኣሎ። ገንዘብ ናይ ኵሉ መምዘኒ ገይርና ስለዝተረዳእናዮ፣ ንምርካቡ ዝኾነ ዝዓይነቱ መንገዲ (ሕጊ ማኪያቬሊ) ምኽታል ይረአ ኣሎ። ኣብ ወገን ንግዳዊ ስራሓት፣ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት፣ ኣባይቲ ዘካርዩ…ኵሉ ብገንዘብ ኪምለኽን ነኣኡ ከምልኽን፡ እሞ ከኣ ካብ ሕግን ስነምግባርን ወጻኢ ብዝኾነ ኣገባብ ኣብ ምእካብ ገንዘብ ዝጠሓሉ ትርኢ፣ እሞ ብዘየሰክፍ ኣገባብ፡ ከም ልሙድ ንቡር፣ እዚ ከምዚ ዝበለ ናይ ገንዘብ ሃነፍነፍ፡ ናብ’ቲ ንዓለም ምሉእ ዘሰክሐ ናይ ሰባትን ኣካላቶምን መሸጣን ዋጋ-ዕዳጋን ኣብጺሑ ከምዘሎ ኵሉ ዚፈልጦ እዩ።

7. መሰረት ጸገምና እንታይ’ዩ?

ሃገር ዚበሃል ከኣ ሓደ ክፋል መሬት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ሓባር ተመክሮን መነባብሮን ታሪኽን ጕዕዞ ሕይወትን ዘለዎ፣ ጥዑምን ሕሱምን፡ ውዑይን ዝሑልን፡ ሠናይን ግናይን…ብሓባር ዝተቐበለን፣ ብሓደ ዕላማ ዝማዕበለን፣ ተኣሳሲሩ ዝደልደለን ሕዝቢ እዩ። ስለ’ዚ ንሰብን ንግድላቱን፡ ነቲ ንቡር ሃለዋቱን ታሪኻዊ ኵነቱን ኣብ ግምት ዘእተወ ጕዕዞ ሃገር፣ ጥዑይን ቅኑዕን ጕዕዞ ክንብሎ ንኽእል።

8. ጉዕዞ ናብ ሰላም

ኣቐድም ኣቢሉ “ብሰላም ዚሓድር ሰላማዊ ሕዝቢ” ከምዘሎና ዘኪርና፣ ከም በርከትን ሠናይን ምርኣይና ቅኑዕ እዩ፣ እንተኾነ “… ሰላም ኪበሃል እንከሎ፡ ውግእ ዘይብሉ ጥራሕ ማለት ኣይኮነን፣ ኣብ መንጎ ተጻረርቲ ወገናት ሚዛን-ሓይሊ ብምሕላው ንዚርከብ ሰላም ዚርኢ’ውን ኣይኮነን፣ ብመላኽን ዓብላልን ሥርዓት ዚመጽእ’ውን ኣይኮነን፣ ሰላም ኪበሃል ከሎ፡ብግቡእን ቅኑዕን ኣገባብ ንዚካየድ “መደብ ፍትሕን ርትዕን” ዚርኢ እዩ። ምእንት’ዚ ኣብ ውሽጣዊ ርግኣትን ህድኣትን ዝተመርኰሰ እዩ። ሰላም ማለት ኵሉ ወገን መሰሉ ዚጭብጠሉን፡ ብሕጋዊ መገዲ ግቡኡ ዚረኽበሉን እንኪኸውን፣ እዚ ሰላም’ዚ ኪመጽእ ዚኽእል፣ እቲ ንኅብረተሰብ ዝሠረዐ ኣምላኽ ኣብ ዚህቦ ውሽጣዊ ስኒት እንኪምሥረትን፡ በቶም ንፍትሒ ጸሚኦም ዚንቀሳቐሱ ሰባት ኣብ ግብሪ እንኪውዕልን እዩ”

ንሰላም ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ግፍዕን ዘይፍትሓውን ኵነታት ኪሥዕርር፣ ቅንእን ትዕቢትን ዘይምትእምማንን ኪነግሥ እንከሎ እዩ።44 ዝኾነ ይኹን ሰብ መሰሉን ክብሩን ኪትንከፍ፣ግቡኡ ኪስእን ከሎ፡ መሠረታት ሰላም የሃምም። ከምኡ ፍትሒ ዚጽበዩን፣ ብመንገዲ ሕጊ ዚድለዩን፡ዝተታሕዙን፡ ብዝቐልጠፈ ፍትሒ ከምዚረኽቡ ምግባር፡ንሰላም ድልዱል መሠረት ምንጻፍ እንኪኸውን፣ “ዝተደናጐየ ፍትሒ፡ ዝተነፍገ ፍትሒ” ዝተባህለ’ እውን ንኸንቱ ኣይኮነን። መደብ ፍትሕን ሰላምን ብሓን- ሳብ ተቓንዩ ዚኸይድ’ምበር ኪነጻጸል ኣይክእልን። እቲ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዚብል ዘናውጽ ሕቶ፣ ዝለዓለ መቓልሑን፡ ኣውያቱን ንብዓቱን “ካብ ምድሪ ናብ ኣምላኽ ዚጠርዓሉ” ኵነትን ብግልጺ ዚረኣየሉን ዚስመዓሉን ኮይኑ ኣሎ።

9. መዛዘሚ

መበል 23 ዓመት ናጽነታ ንእተኽብር ሃገርና ኣምላኽ ኪባርኸልና፣ ሃገር ትንሣኤን፡ ሃገር ተስፋን ፍቕርን፣ ሃገር ፍትሕን ርትዕን ኪገብረልና ክንጽልን፣ ክንጽዕርን ናይ ኵሎም ወገናት
መራሕትን ናይ ሕዝብን ናይ ነስወከፍን ግቡእ እዩ። ኣብ’ዛ ሃገርዚኣ ዘለዉ ምእመናንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን፡ ንሰላምን ንዘተን ንምርድዳእን ከምዚጽልዩ ነኣምን። ስለ’ዚ ሃገርና ነቲ ካብ ኣምላኽ ዚመጽእ ሰላም ጸሚኣ ከምዘላ ርኡይ እዩ።

1- ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም፣ ሰበኻ ኣስመራ
2- ኣቡነ ቶማስ ዖስማን- ሰበኻ ባረንቱ
3- ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ- ሰበኻ ከረን
4- ኣቡነ ፍቕረ ማርያም ሓጎስ ሰበኻ ሰገነይቲ

25 ግንቦት 2014
ኣስመራ

============================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0