ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣናት ኢትዮጵያ ተራኺቡ

Radio Erena: 16 March 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ 2ተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዝገብር ዘሎ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ረቡዕ 15 መጋቢት ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ ተራኺቡ ከም ዝዘተየ ተሓቢሩ።

ወግዓዊ ምብጻሕ ስራሕ ንምፍጻም ብሰሉስ 14 መጋቢት ናብ ኢትዮጵያ ዘምረሐ ብሊንከን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ዳይሬክተር ጀነራል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣቶ ፍጹም ኣረጋ እዩ ተቐቢልዎ።

ዝተገብረሉ ኣቀባብላ ብዲፕሎማስያውን ፕሮቶኮላውን መምዘኒታት ድሙቕ ዘይምንባሩ፡ መርኣያ ናይቲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣዝዩ ዛሕቲሉ ዘሎ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ኮይኑ ይግለጽ።

ረቡዕ 15 መጋቢት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ምስ ኢትዮጵያዊ መዘንኡ ሚንስተር ደመቀ ዝተራኸበ ብሊንከን ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ጉዳያት ኣመልኪቶም ዘትዮም።

ክልቲኣቶም ሚንስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ርክቦም ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያን ናይሮብን ዘሎ ኣፈጻጽማን፡ ዝተመዝገቡ ውጽኢታትን ዝድህስስ ሪፖርት ድሕሪ ምርኣይ፡ ጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያ ኣበይ ደረጃ ከም ዘሎን፡ ንመጻኢ እንታይ ክግበር ኣለዎን ዝብል ዛዕባታት ኣልዒሎም።

ድሕሪ ስምምዕ ኣብ ዝግበር ዘሎ ትግራይን ካልእ ብኲናት ዝተጎድአ ኣከባቢታትን ደጊምካ ናይ ምህናጽ ስራሕ ፋይናንስያዊ ደገፍ ኣመሪካ ዝሓተተት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ንግዳዊ ስምምዕ ኣጎዋ ክትምለሰሉ እትኽእል ዕድላት ክህሉ እውን ሓቲታ።

ኣሜሪካ ብወገና ዝተጀመረ ጉዳይ ሰላም ብዝሓየለ ክቕጽልን፡ ንመስርሕ ሰላም ንምዕዋት ዘድሊ ፋይናንስያዊ ድጋፍ ከም እትገብርን ቃል ኣትያ።

ቀጺሉ ምስ ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ዝተራኸበ ብሊንከን፡ ኣብ ምምዕባል ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዘተኮረ ዝርርብ ከም ዘካየዱ ተሓቢሩ። ብሊንከን እቲ ቀንዲ ኣገዳሲ ነገር፡ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ጉዳይ ሰላም ክዓሙቕ ምግባርዩ ክብል፡ ድሕርቲ ርክብ ኣብ ዝገበሮ መግለጺ ሓቢሩ።

ዝቕጽል ርክቡ ምስ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ከም ዝኸውን ዝንገረሉ ብሊንከን፡ ሓሙስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ዑደት ኣጠናቒቑ ናብ ኒጀር ከምርሕ ትጽቢት ይግበረሉ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0