ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዛዕባ ጉዳይ የመንን ኢራንን ንምዝርራብ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዩ

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ብዛዕባ ጉዳይ የመንን ኢራንን ንምዝርራብ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዩ

Radio Erena : 06 March 2015

Johnk

ጸሓፉ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ኬሪ ብዛዕባ ኩነታት የመንን ኢራንን ንምዝርራብ ትማሊ ሓሙስ 5 መጋቢት ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዩ።

እቲ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ፣ ኣብዚ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዑደቱ ምስ ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብን ወከልቲ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ብዛዕባ’ቲ ኣብ የመን ዘሎ ኣሻቓሊ ኩነታትን ተኽእሎ ምውናን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኢራንን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምዝተዘራረበ’ዩ ተሓቢሩ።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ባሕሬ፣ ኩዌት፣ ዖማን፣ ቐጠር፣ ስዒዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ብዛዕባ ኣብ የመን ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታትን ተራ ኢራን ኣብቲ ዞባን ዘተኮረ ዝርርብ ንምክያድ’ዮም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣኪቦም።

 

ኣብ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ኑክሌር ኢራን ዝተሳተፈ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጆን ኬሪ ድማ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምምርሕ’ዩ ነቲ ርክብ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ተጸቢርዎ።

ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታትን ተኽእሎ ምትእትታው ኢራን ኣብ የመንን ንዞባ ቀይሕ ባሕሪን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኣሻቓሊ ጉዳይ ኮይኑ ምህላዉ ብተደጋጋሚ እዋን ክትቐስ ጸኒሑ’ዩ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0