ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ ኣሎ

Radio Erena: 09 August 2022

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝመርሖ ላዕለዋይ ልኡኽ ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ ሰለስተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት የካይድ ኣሎ።

እቲ ጸሓፊ ጉዳያት፣ ዑደቱ ብ7 ነሓሰ ብደቡብ ኣፍሪቃ ፈሊሙ፣ክሳብ 12 ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ርዋንዳን ክበጽሕ’ዩ።

ዕላማ ዑደት ብሊንከን፣ ዝምድና ኣመሪካ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ምሕያልን፣ ነቲ ኣብ 13 ክሳብ 15 ታሕሳስ ኣብ ዋሽንግነትን ዲሲ ክካየድ ትጽቢት ተነቢርሉ ዘሎ ዋዕላ ኣመሪካን ሃገራት ኣፍሪቃን ብዝምልከት ምስ መራሕቲ ንምምይያጥን ምዃኑ ተሓቢሩ።

ምስፍሕፋሕ ቻይናን ሩስያን ናብ ኣፍሪቃ ሻቕሎት ዝፈጠረላ ኣመሪካ፣ ናብዛ ኣህጉር ቆላሕታኣ ተዐቢ ምህላዋ ተንተንቲኦ የርድኡ።

ላዕለዋይ ወኪል ምምሕዳር ባይደን ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝበጽሕ ዘሎ፣ ሒደት መዓልታት ድሕሪ’ቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ፣ ሰርጌ ላቭሮቭ ካብታ ኣህጉር ምምላሱ’ዩ።

ሚኒስተር ላቭሮቭ፣ ካብ 24 ክሳብ 27 ሓምለ፣ ናብ ግብጺ፣ ኡጋንዳ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎን ኢትዮጵያን ኣብ ዘካየዶ ዑደት፣ ኣመሪካ እትገብሮ ዘላ ዕብለላ ሓደ ካብ ቀንዲ ብድሆታት ኣፍሪቃን ካልኦት ኣህጉርን እዩ ኢሉ ምውቃሱ ይዝከር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0