ጥሩፍ ጉጅለ ኣል-ሸባብ፤ ኣብ ማእከላይ ሶማል ከባቢታት ሂራንን ጋልጋዱድን፤ መጥቃዕቲ ከፊቱ

Radio Erena: 02 September 2022

ጥሩፍ ጉጅለ ኣል-ሸባብ፤ ኣብ ማእከላይ ሶማል ከባቢታት ሂራንን ጋልጋዱድን፤ መጥቃዕቲ ከፊቱ።

እቲ ብ31 ነሓሰ ጀሚሩ ሓሙስ 1 መስከረም እውን ዝቐጸለ ኩናት፤ ኣልሸባብ፤ ኣቐዲሙ ብመንግስቲ ተታሒዙ ዝጸንሐ ሓያሎ ከባቢታት ከምዝተቖጻጸረ፤ ካብቲ ከባቢ ዝተመሓላለፈ ዜና አመልኪቱ።

ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ማርሳማገ ኣቐዲሙ ብምልሻታት’ቲ ከባቢ ክሕሎ ዝጸንሐ ኮይኑ፤ ኣልሸባብ ኣብ ዝኣተወሉ እዋን፤ ንህዝቢ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ከምዘዕነወ ተሓቢሩ።

ኣልሸባብ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ተጸሪጉ ወጺኡሉ ዝነበረ ከባቢታት በብቁሩብ ይምለስ ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፤ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ እዚ ምብራቕ ኣፍሪቃ፤ ምስ ፕረዚደንት ሶማል፤ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት፤ ኣብ ዘካየዶ ርክብ ምዝርራቡ ይዝከር።

ተመሳሳሊ ርክባት፤ ኣዘዝቲ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ እውን ምስ ኣዘዝቲ ሰራዊት ሶማል ክዘራረቡ ቀንዮም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0