ጥሩፋት ጉጅለታት ሊብያ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትና ዝፍጽምዎ ዘለዉ ቅትለት፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ኣስጋኢ ምዃኑ ተገሊጹ

ጥሩፋት ጉጅለታት ሊብያ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትና ዝፍጽምዎ ዘለዉ ቅትለት፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት ኣስጋኢ ምዃኑ ተገሊጹ

Radio Erena : 18 February 2015

LibyaIS

ኣብ ሊብያ ዝርአ ዘሎ ምስ ናይቶም ብISIS ዝፍለጡ እስላማዊ ጥሩፋት ጉጅለታት ዝመሳሰል ምንቕስቓስ፣ ኣብታ ሃገር ንዝርከቡ ኣመንቲ ክርስትና ዝኾኑ ስደተኛታት ከቢድ ሓደጋ ከንጸላልዎም ከምዝኽእል ሓያሎ ወገናት የጠንቕቑ።

እዚ መጠንቐቕታ ዝቐረብ ዘሎ፣ እስላማውያን ጥሩፋት ጉጅለታት ሊብያ ካብ ግብጺ ዝጨወዮም ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ንዝኾኑ 21 ግብጻውያን፣ ኣሰር ዳዒሽ ብምኽታል ድሕሪ ምርሻኖም’ዩ።

መንግስቲ ግብጺ፣ ኣመንቲ ክርስትና ዝኾኑ ዜጋታቱ ንዝቐተሉ ጥሩፋት ጉጅለታት ንምህዳን፣ ጽዑቕ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

 

መንግስቲ ሊብያ’ውን ነቶም ኣብ ሃገር ከቢድ ስግኣት ክፈጥሩ ዝኽእሉ ጥሩፋት ንምህዳን ተመሳሳሊ መጥቃዕታት ፈንዩ’ዩ።

እንተኾነ፣ መንግስቲ ሊብያ ካብ ውሱን ከባቢታት ከተማ ትሪፖሊ ዝሓልፍ ምቁጽጽራ ከምዘይብሉ’ዩ ዝንገረሉ።

ኣብ ሊብያ ዘለዉ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ይኹኑ፣ ብሕጂ ካብ ሱዳን ክብገሱ መደብ ዘለዎም ካልኦት፣ ቅድሚ ምብጋሶም ነዚ ኣብ ሊብያ ዘሎ ኩነታት ብዝግባእ ከጽንዕዎን ልዑል ጥንቓቐታት ክገብሩን ሓያሎ ወገናት ይላበዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኢጣልያ ካብ ሊብያ ንዝተበግሱ ኣማኢት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዝድሓነት ተሓቢሩ።

ኢጣልያ ዋሕዚ ስደተኛታት ንሃገራዊ ድሕነታ ኣብ ሓደጋ ከምዘእተዎ ብምግላጽ፣ ኣብ ጉዳይ እታ መሰጋገሪት ስደተኛታት ኮይና ዘላ ሊብያ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ትሓትት ኣላ።

==================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0