ግብጽን ዩጋንዳን ኣብ ጸጥታ ዝተመርኮሰ ኣፈናዊ ስምምዕ ፈሪመን

Radio Erena: 11 April 2021

ግብጺ፣ ከም መቐጸልታ ናይቲ ምስ ኢትዮጵያ ጎረባብቲ ዝኾና ሃገራት ዝምድናኣ ንምዕባይ እተካዪዶ ዘላ ዘመተ፣ ምስ ዩጋንዳ እውን ኣብ ጸጥታ ዝተመርኮሰ ኣፈናዊ ስምምዕ ከቲማ።

ኣብቲ ብ8 ሚያዝያ ኣብ ከተማ ካምፓላ ዝተፈረመ ኣፈናዊ ስምምዕ፣ ኣብ ጸጥታን፣ ምልውዋጥ ወተሃደራዊ ሓበሬታን ዘተኮረ ኮይኑ፣ ብወገን ዩጋንዳ ኣዛዚ ጸጥታ መጀር ጀነራል ኣቤል ካንዲሆ፣ ብወገን ግብጺ ከኣ መዘንኡ፣ መጀር ጀነራል ሳምሕ ሳብር ኣል-ደግዊ ክታሞም ኣንቢሮም።

ቀንዲ ዕላማ’ቲ ስምምዕ፣ ሽበራ ንምክልኻል ከምዝኾነ፣ ብወተሃደራውያን ሓለፍቲ ክልቲኤን ሃገራት ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ግብጺ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ንምፍጣር ምስ ጎረባብታ፣ ኣብ ንግዲ፣ ቁጠባ፣ ጸጥታን ወተሃደራዊን ምትሕግጋዝ ዘተኮረ ዝምድናታት ከተካዪድ ምጽናሓ ተንተንቲ ፖለቲካ ይገልጹ።

ሰበስልጣን ግብጺ ብወገኖም፣ ግብጺ ምስ ዩጋንዳ እትካፈሎ ፈለግ ናይል ስለዘሎ፣ ዝምድና’ዘን ክልተ ሃገራት ክድልድል ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ ምንባሩ ይገልጹ።

ከምዝፍለጥ፣ ሰማያዊ ናይል ካብ ኢትዮጵያ፣ ጻዕዳ ናይል ከኣ ካብ ዩጋንዳ ተበጊሶም፣ ኣብ ከተማ ካርቱም ድሕሪ ምርኻቦም እዮም ንፈለግ ናይል ሰሪሖም ናብ ግብጺ ዝፈሱ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0