ግብጽን ስዑዲ ዓረብን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ የካይዳ ኣለዋ

Radio Erena: 12 January 2022

ግብጽን ስዑዲ ዓረብን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ምክያድ ከምዝጀመራ ኣፍሊጠን።

እቲ ታቡክ -5 ዝተሰምየ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ ሓይልታት ባሕሪን ኣየርን ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ ንሓያሎ መዓልታት ከምዝቕጽል ማዕከናት ዜና ግብጺ ሓቢረን።

እቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ስዑዲ ዓረብ ዝጀመረ ልምምድ፣ ኣብ መንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዓረብ ዝተኻየደ ዝዓበየ ወትሃደራዊ ምንቅስቓስ ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

እንተኾነ፣ ኣብዚ ሓባራዊ ወትሃደራዊ ልምምድ ናይ ዝተሳተፉ ብዝሒ መራኽብ፣ ነፈርቲ ውግእ፣ ሰራዊት ይኹን ኣጽዋር ብዝርዝር ኣይተጠቕሰን።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ሓይልታት ባሕሪ ግብጽን ኣመሪካን፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ልምምድ ከምዘካየዳ መንግስቲ ግብጺ ብ09 ጥሪ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ኣብ ምጥቃዕን ምክልኻልን ዝዓለመ ሓባራዊ ልምምድ፣ ኣሌክሳንድያ ብዝተባህለት መርከብ ዝምራሕ ጭፍራ መራኽብ ግብጺን፣ USS Cole ን USS Jason Dunham ዝተሰምያ ዓርሞሽሽ መራኽብ ኣመሪካን ተሳቲፈን።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0