ግብጽን ሩስያን፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ኣጠቓቕማ ናይል ተመያይጠን

Radio Erena: 13 April 2021

ሩስያ፣ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ኣጠቓቕማ ናይል ብዝምልከት ንምዝርራብ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ፣ ሰርጌ ላቭሮቭ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ናብ ካይሮ ልኢኻ።

ሚኒስተር ላቭሮቭ፣ ብ12 ሚያዝያ ምስ ግብጻዊ መዘንኡ፣ ሳምሕ ሾክሪ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተራኸበሉ፣ ሩስያ፣ ንግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያንን ኣብ ዘሰሓሕብ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይልን ምምላእ ማይ ዲጋን፣ መሰል ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ዘውሕስ መፍትሒ ከምእትኣምን ኣስሚርሉ።

ተፈጢሩ ንዘሎ ምስሕሓብ ንምፍታሕ፣ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ስሉሳዊ ዘተ እዘን ሃገራት፣ ሩስያ ከምእትድግፍ’ውን ሚኒስተር ላቭሮቭ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ካልኦት ሃገራት’ውን ባይታ ንዘተ ኣብ ምጥጣሕ ኣበርክቶ ክህልወን ከምዝኽእል ኣገንዚቡ።

ሱዳንን ግብጺን፣ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕበን ዘሎ ጉዳይ፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ብመንንጎኝነት ክሳተፉ’የን ዝሓታ።

ኢትዮጵያ ድማ ብኣንጻሩ፣ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ስሉሳዊ ዘተ ክቕጽል ትጠልብ።

ሩስያ፣ ዝኾነ ዕድመ ስለ ዝይቀረበላ፣ ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ይኹን ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ብምዃን ኣብ ሽግምልና ኣበርክቶ ከምዘይህልዋ ሚኒስተር ላቭሮቭ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ሩስያ፣ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝጸንሓሉ፣ ምስ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ብምርኻብ፣ ኣብመንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብዛዕባ ዝህሉ ምትሕግጋዝን ዝተፈላለየ ዞባዊ ጉዳያትን ብምትኳር ተመያይጡ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0