ግብጺ ኣብ የመን ዝርከብ ኤምባሲኣ ዓጽያ

ግብጺ ኣብ የመን ዝርከብ ኤምባሲኣ ዓጽያ

Radio Erena: 24 February 2015

embaEg

ግብጺ ኣብ የመን ዝርከብ ኤምባሲኣ ከምዝዓጸወት ኣፍሊጣ።

እታ ሃገር ነቲ ኣብ የመን ዝነበረ ኤምባሲኣ ጠቕሊላ ዝዓጸወትሉ ምኽንያት፣ ጸጥታ ሃገር ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣቐመን’ውን ሓያሎ ሃገራት ምዕራብን ኤስያን ኤምባሲታተን ዓጽየን’የን።

ተቓወምቲ ሑቲ ንከተማ ሰንዓን ወደብ ሖዴይዳን ተቖጻጺሮም ናብ ከተማ ዓደን ኣብ ዝግስግስሉ ዘለዉ እዋን፣ ንኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ- ባብ ኤል መንደብ ክዓጽዎ’ዮም ዝብል ስግኣት ኣሎ።

 

ግብጺ’ውን እቶም ተቓወምቲ ነቲ ምስ መትረብ ስዌጽ ብምትእስሳር ንህላዌኣ ኣገዳሲ ዝኾነ ባብ ኤል መንደብ እንተዓጽዮሞ ወትሃደራዊ ምትእትታው ክትገብር ምዃና ኣጠንቒቓ’ያ።

ነዚ ተልእኾ’ዚ ዝወፍር ኣሃዱ ድሮ ኣቝማ ምህላዋ’ውን ኣሶሸትድ ፕረስ ይጠቅስ።

ኤርትራ እትርከበን ቀይሕ ባሕሪ ዘዋስነን ጎረባብቲ ሃገራት፣ ነዚ ናይ የመን ኩነታት ብዕቱብ’የን ዝከታተልኦ ዘለዋ።

ብተቓወምቲ ሑቲ ተታሒዙ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሐ ፕረዚደንት የመን ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ከተማ ሰንዓ ወጺኡ ናብ ከተማ ዓደን ኣትዩ ምህላዉ ክፍለጥ እንከሎ፣ ሕጂ’ውን ሕጋዊ ፕረዚደንት እታ ሃገር ምዃኑ’ዩ ዝገልጽ ዘሎ። ሓያሎ የመናውያን’ውን ነቲ ፕረዚደንት ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ሰላማዊ ሰልፊ ኣክይዶም’ዮም።

እንተኾነ የመን ብዘይ ማእከላይ መንግስቲ’ያ ዘላ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0