ግብጺ ኣብ የመን ሰራዊት ኣዋፊራ

ግብጺ ኣብ የመን ሰራዊት ኣዋፊራ

Radio Erena : 11 September 2015

Egy

ልፍንታዊ ሓይሊ ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ኣጋር ሰራዊተን ኣብ ዘዋፍራሉ ዘለዋ እዋን፣ ግብጺ 800 ወትሃደራት ልኢኻ።

እቲ ናብ የመን ተዋፊሩ ዘሎ ሰራዊት ግብጺ፣ ኣብ ኣርባዕተ ኣሃዱታት ዝተመቓቐለ ኮይኑ፣ ነፍሲ ወከፉ ብታንክታትን ናይ መጓዓዝያ መካይንን ዝተሰነየ’ዩ።

ኣቐዲመን ስዑዲ ዓረብ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ባሕሬንን ኣጋር ሰራዊተን ኣብ የመን ከምዘዋግፈራ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ድማ ቀጠርን ግብጽን ነዚ ሓይሊ’ዚ ተጸንቢረንኦ ኣለዋ።

 

ቀጠር ብሄሊኮፕተራትን ታንክታትን ዝተሰነየ ኣስታት ሓደ ሽሕ ሰራዊት ኣዋፊራ ኣላ።

ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ ናይ ዝመራሒተን ሓይልታት ልፍንቲ ሃገራውት ወሽመጥ፣ ኣብ የመን ብዘካየድኦ ነዋርሕ ዝቐጸለ ደብዳብ፣ ሑቲ ወትሃደራዊ ሓይሉ ተዳኺሙ’ዩ ብዝብል ገምጋም’የን፣ ነቲ ሑቲ ተቖጻጺርዎ ዝነበረ ከባቢታት ንምቁጽጻር ኣጋር ሰራዊት ናብ የመን ዘዋፍራ ዘለዋ።

ከተማ ዓደን ካብ ሑቲ ናጻ ድሕሪ ምውጻኣ፣ ኣተኩሮ ሓይልታት ልፍንቲ ሃገራውት ወሽመት ዓረብ፣ ናብ ወደባዊት ከተማ ሖዴዳን ርእሰ ከተማ ከተማ ሰንዓን’ኮይኑ ይርከብ።

=====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0