ግብጺ ናብ እስራኤል ክትሰግሩ ፈቲንኩም ዝበለቶም ኤርትራውያን ክትጥርዞም ምዃና ትገልጽ

ግብጺ ናብ እስራኤል ክትሰግሩ ፈቲንኩም ዝበለቶም ኤርትራውያን ክትጥርዞም ምዃና ትገልጽ

Radio Erena: February 24, 2014

Egyptian

ግብጺ፣ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ እስራኣኤል ክትሰግሩ ፈትንኩም ንዝበለቶም ሸዓተ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ነናብ ዓዶም ክትጥርዞም ምዃና ኣልዮም ኣልሳባ ዝተባህለት ጋዜጣ ሓቢራ።

እቶም ኣብ ሲናይ፣ ብሓለዋ ዶባት ግብጺ ዝተታሕዙ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤት ፍርዲ ካይሮ ድሕሪ ምቕራቦም’ዮም ነናብ ዓዶም ክምለሱ ዝተወሰነ።

እቶም ብሓለዋ ዶባት ግብጺ ኣብ ሲናይ ዝተታሕዙ ሸውዓተ ሰባት፣ ካብ ሱዳን ብበዳዌን ተጨውዮም ጅሆ ተታሒዞም ዝጸንሑ ክኾኑ ከምዝኽእሉ’ውን እታ ጋዜጣ ገሊጻ።

 

ካብ ሱዳን ብመንገዲ ሲናይ ናብ እስራኤል ዝካየድ ዝነበረ ዋሕዚ ስደተኛታት፣ ብዝተዓጻጸፈ ቁጽሪ ጎዲሉ እኳ እንተሎ፣ ካብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ከምኡ ድማ ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ብበዳዌን ዝተጨውዩ

ሓያሎ ኤርትራውያን ግና ብዘይድልየቶም ናብ ሲናይ ከምዝውሰዱን፣ ገንዘብ ክኽፈሉ እንተኽኢሎም ድማ ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤልን እስራኤል ከምዝፍንውዎምን ይፍለጥ።
=====================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0