ግብጺ ምስ ቱርኪ ምትእስሳር ኣለዎም ዝበለቶም 16 ኣባላት “ሕውነት ኣስላም” ከምዝኣሰረት ገሊጻ

Radio Erena: 12 September 2019

መንግስቲ ግብጺ፣ ኣባላት ናይቲ “ሽበራዊ ምንቅስቓስ’ዩ” ዝብሎ “ሕውነት ኣስላም” ዝተባህለ ውድብ ምዃኖም ዝገለጾም 16 ሰባት ከምዝኣሰረ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቶም ብ10 መስከረም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዘለዉ ሰባት፣ ኣብ ቱርኪ ምስ ዝርከብ ጉጅለ ምትእስሳር ከምዘለዎም ጠቒሱ።

ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተታሕዝሉ እዋን፣ ሽበራዊ ንጥፈታት ንምክያድ ዘኽእሎም ፓስፖርታት፣ ናይ ወጻኢ ባጤራታትን ካልእ ሰነዳትን ከምዝጸንሖም እቲ መግለጺ ብተወሳኺ የመልክት።

እቶም ዝተታሕዙ ሰባት፣ ብዛዕባ’ቲ ብመንግስቲ ግብጺ ዝቐረበሎም ክሲታት ከምዝተኣመኑ ዘርኢ ቪድዮታት እኳ እንተተዘርግሐ፣ ጉዳዮም ብናጻ ቤት ፍርዲ ክጻረ ከምዘይክኣለ ዝተፈላለዩ ወገናት እታ ሃገር ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ዓብደል ፈታሕ ኣል ሲሲ፣ ንስልጣኑ ዝቃወሙ ወገናት እታ ሃገር፣ ብስም እቲ ዘይሕጋዊ’ዩ ዝብሎ፣ ሕውነት ኣስላም እናጠመቀ፣ ከምዘሕቅቖም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይወቕሱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0