ግብጺ፣ እሱራት ንምህዳም ኣብ ዝፈተንሉ፣ 7 ሰባት ተቀቲሎም

Radio Erena: 25 September 2020

ኣብ ግብጺ፣ ከተማ ካይሮ ካብ ዝርከብ ድጓና፣ እሱራት ክሃድሙ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ሸውዓተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብ23 መስከረም ዝተኻየደ ፈተነ፣ 4 ካብ እሱራት፣ 3 ድማ ካብ ሓላዋ ፖሊስ’ዮም ተቐቲሎም።

እቶም ዝተቐትሉ እሱራት፣ ኣርባዕቲኦም፣ ኣብ ልዕሊ ሓለፍቲ ጸጥታ ግብጺ ቅትለት ፈጺምኩምን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ድማ ፈተነ ኣካይድኩምን ተባሂሎም፣ ካብ 2014 ኣትሒዞም ንሞት ተፈሪዶም ዝጸንሑ’ዮም።

እቶም እሱራት ክሃድሙ ዝፈተንሉ ኣገባብ ብንጹር ኣይተመልከተን።

ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ከተማ ካይሮ ዝርከብ፣ ‘ቶራ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዱጓና፣ ከቢድ ገበን ዝፈጸሙ እሱራት ዝተሓዝሉን፣ ብጽኑዕ ዝሕሎን ምዃኑ ይግለጽ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0