ግብጺ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ዝቐንዐ ተቓውሞ ምክያዱ ተገሊጹ

Radio Erena: 23 September 2020

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ግብጺ፣ ኣንጻር ፕረዚንደን ኣል ሲሲ ዝቐንዐ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከምዝተኻየደ መርበባት ዜና ማእከላይ ምብራቕ ኣቃሊሐን።

ብመሰረት እተን መርበባት ዘቕርብኦ ዘለዋ ዜና፣ ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ፣ እቲ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ክካየድ ከምዝተመደበሉ ዝተገልጸ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከይካየድ፣ ኣቐዲሞም ንምዝራጉ ክዋፈሩ’ዮም ጸኒሖም።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ እትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ኣጠቓቕማ ናይልን ብዝምልከት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ንመርገጺ ግብጺ ከምእትድግፍ ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ብምጥቃስ ኣሕራም ኦንላይን ገሊጹ።

እቲ ቤት ጽሕፈት ነዚ ዝገለጸ፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዦን- ክሉድ ኮቦንጎ ካብ ፕረዚደንት ደሞክራሳዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ፈሊክስ ቲስከዲ ዝተላእከ ደብዳቤ፣ ብቀዳም 20 መስከረም ናብ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ድሕሪ ምብጽሑ’ዩ።

ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ንመርገጺ ግብጺ ትድግፍ ዘላ፣ ድሕሪ’ቲ ክልትኤን ሃገራት ኣቐዲመን ዝበጽሐኦ ናይ ምትሕግጋዝ ስምምዕ ምዃኑ’ዩ ተጠቒሱ።

ግብጺ ብጉዳይ ናይል ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ ድሕሪ ምውዳቕ፣ ኣብ ተፋሰስን ማይ ክዖን ኒል ምስ ዝርከባ ሃገራት ዓበይቲ ቀላያትን ጎረባብቲ ኢትዮጵያን ጽዑቕ ዲፕሎማሲ ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0