ግብጺ፣ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት UNHCR ተቓውሞ ብምክያዶም ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ክትፈትሕ ጻውዒት ይቐርብ

Radio Erena: 23 July 2019

ግብጺ፣ ኣብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR)ተቓውሞ ብምክያዶም ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ክትፈትሕ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ጻውዒት የቕርቡ ኣለዉ።

ኣስታት 500 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ነቲ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ግብጺ ዝፍጽሞ ዘይቅርዑይ ኣሰራርሓን ብልሽውናን ንምቅዋም ብሰንበት 21 ሓምለ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ዘካየድሉ፣ ኣስታት 40 ካብኣቶም ብፖሊስ ተወሲዶም ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

ፖሊስ ግብጺ፣ ነቶም ኤርትራውያን፣ መንበሪ ፍቓዶም ብምሕዳግ ኣካላዊ ጎነጽ ከምዘብጽሑሎም ይግልጸ።

መንግስቲ ግብጺ፣ ነቶም ኤርትራውያን ናብ ኤርትራ ከይሰጎም፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክጓየያሎም ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻውዒት ይውሕዝ ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0