“ግብጺ፣ ኣብ ስምምዕ ኣጠቃቕማ ናይል ተዓዊታ ከምእትወጽእ ርግጽ’ዩ።” ፕረዚደንት ኣል ሲሲ

Radio Erena: 25 February 2020

ግብጺ፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘከራኽራ ዘሎ ስምምዕ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል ክትዕወት ምዃና ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣረጋጊጹ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዘረጋገጸ፣ ቀ/ሚ ነበር ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ዝመርሖ ፍሉይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ካይሮ ድሕሪ ዝገበሮ ዕጽው ዝርርብ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳይ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶን ኣጠቓቕማን ናይልን ሒዛቶ ዝጸንሐት ጽኑዕ መርገጺ፣ ብድፍኢት ምምሕዳር ትራምፕን ባንክ ዓለም፣ ኣብዚ እዋን’ቲ ከምዝለዝብ ጌራ ምህላዋ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ባንክ ዓለም ንኢትዮጵያ ክገብርሉላ ዝወሰኑ ፊናንስያዊ ሓገዝ ከም ቅድመ ኩነት ዝቐረበ፣ ኣብ ጉዳይ ናይል ምስ ግብጺ ዝጸንሓ ምርሕሓቕ ከተቕርብ ዝብል ምዃኑ ጸብጻባት የመልክቱ።

ኣቐዲሙ መርገጺ ኢትዮጵያ ክድግፍ ዝጸንሐ መንግስቲ ሱዳን፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናብ ግብጺ ምዝዛዉ፣ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ ከይዛዘምት፣ ክሰናኸል ከምዝኽእል’ውን ግምታት ይወሃቦ’ዩ።

60% ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ ተዛዚሙ እኳ እንተሎ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ግና እቲ ፕሮጀክት ምሉእ ብምሉእ’ዩ ደው ኢሉ ዝርከብ።

እዚ ሕጂ ብመንጎኝነት ምምሕዳር ትራምፕን ባንክ ዓለምን ዝካየድ ዘሎ ዘተ ድማ፣ ነቲ ፕሮጀክት ኣብ ዘለዎ ደው ኣቢሉ፣ ኣምሳያኡ ኢትዮጵያ ካብ ባንክ ዓለም ናይ ኣስታት 4 ቢልዮን ዶላር ካሕሳ ክትቕበል ዝደፋፍእ ምዃኑ’ዮም ምስቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ዲፕሎማሰኛታት ዝእንፍቱ።

ኢትዮጵያ ትኹን ግብጺ ብዛዕባ’ቲ ብተደጋጋሚ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ዝርዝራውቱ ንህዝቢ ኣይሓበራን።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0