ግብጺ፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምጥያስ ዝጽበዩ ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ተሓቢሩ

ግብጺ፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ምጥያስ ዝጽበዩ ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ተሓቢሩ

Radio Erena: 30 January 2018

Hamid Al Ajeb

ኣብ ግብጺ፣ ናብ ሳልሰይቲ ሃገር ንምጥያስ ዝጽበዩ ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዘለዉ ኣቦ መንበር ኮሚተ እቶም ስደተኛታት ኣቶ ሓምድ ኣልዓጀብ ምስ ሬድዮ ኤረና ቋንቋ ዓረብ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠይቕ ገሊጹ።

ንሱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኮሚተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብውሳኔ ኣብታ ካይሮ ዝርከብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከምዝተመስረተ ብምርግጋጽ፣ ኣብ ጽላል እቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝተመዝገቡ ኣስታት 10 ሽሕ ኤርትራውያን ከኣ ጉዳያቶም ብመንገዲ’ዚ ኮሚተ ከምዝከታተሉ ኣፍሊጡ።

ይኹን’ምበር፣ እቶም ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፍላይ ናይ ኣገልግሎት ሕክምናን ርኡይ ጸገማት ከምዘለዎም ዘመልከተ ኣቶ ሓምድ ኣልዓጀብ ደቂንስትዮን ቆልዑን እቶም ቀንዲ ግዳያት ይኾኑ ምህላዎም ኣተሓሳሲቡ።

ኣዝዮም ብዙሓት ካብዞም ኣብ ግብጺ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ንመንነቶም ዝገልጽ ንጹር ሰነድ ስለዘይጸንሖም፣ ሓደጋ ወይ ማእሰርቲ ከጋጥም እንከሎ ንብዙሕ ጸገማት ይቃልዑ ምህላዎም’ውን ኣገንዚቡ።

ብፍላይ ካብ ማእሰርቲ ናብ ኤርትራ ክጥረዙ ዝተወሰነሎም ስደተኛታት ከም ኣማራጺ ናብ ኢትዮጵያ ክልኣኹ ኣብ ካይሮ ምስ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ምርድዳእ እኳ እንተነበረ፣ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ግና እቲ መስርሕ ብመንገዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክኸውን ስለዝተወሰነ ኣጸጊሙ ከምዘሎ ኣቶ ሓምድ ጠቒሱ።

ኣብ ሊብያ ብዝርአ ዘሎ ኩነታት፣ ካብ ናብ ግብጺ ናይ ዝውሕዙ ዘለዉ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት እናዛየደ ክመጽእ ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ናይ ወጻኢ ዜጋታት ድሕሪ ዘሕለፈቶ ሓድሽ ውሳኔታት፣ ኣዝዮም ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ብፍላይ ድማ ኣዴታት ምስ ደቀን ናብ ግብጺ ተሰዲዶም፣ ከም ሓተቲ ዑቕባ ይምዝገቡ ምህላዎም ኣቦ መንበር ኮሚተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብታ ሃገር ኣመልኪቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0