ጋዜጠኛታት ብብዝሒ ብምእሳር ንኤርትራ እትስዕብ ዘላ ኢትዮጵያ፣ ንወኪል ዘ ኢኮኖሚስት ሰጕጓ

Radio Erena: 19 May 2022

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመትን መንፈቕን፣ ጋዜጠኛታት ብብዝሒ ብምእሳር፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ስዒቡ ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዑ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንወኪል መጽሔት ዘ ኢኮኖሚስት ሰጕጉ።

ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት ብዝዘርግሖ መግለጺ መሰረት፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቲ ቶም ጋርድነር ዝተባህለ ጋዜጠኛ ዘ ኢኮኖሚስት፣ ሂብዎ ዝጸንሐ ፍቓድ ፕረስ ብ13 ግንቦት ብምምንዛዕ’ዩ ካብታ ሃገር ክወጽእ ሓቢርዎ።

በዓል መዚ ፕረስ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ብወገኑ፣ ጋዜጠኛ ቶም ጋርድነር ካብ ዓንኬል ጋዜጠኝነት ወጻኢ ክሰርሕ ብምጽንሑ፣ ነቲ ፍቓድ ከምዘሕደጎ ብምርግጋጽ፣ ዘ ኢኮኖሚስት ንእትልእኮ ካልእ ወኪል ክቕበል ፍቓደኛ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ንጋዜጠኛ ኒውዮርክ ታይምስ፣ ሲሞን ማርክስ ብተመሳሳሊ ክሲ ከምዝሰጎጎ ኣይርሳዕን።

ዜጋታት እታ ሃገር ንዝኾኑ ጋዜጠኛታት ብእኩብን በብውልቕን ደጋጊሙ ዝኣሰር ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንደረጃ ናጻ ፕረስ እታ ሃገር፣ ኣብ ኣፍሪቃን ዓለምን ናብ ዝተሓተ ኣውሪድዎ ይርከብ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ዝተዋፈርሉ ተልእኾ ወጻኢ ክሰርሑ ጸኒሖም ንዝበሎም ወጻእተኛታት ጋዜጠኛታትን ሰራሕተኛታት ኣህጉራውያን ትካላትን ከፈራርህን ክሰጉግን ምጽንሑ ይፍለጥ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0