ጉጅለ ሓካይም ግብጺ ንኣስታት 1200 ኤርትራውያን ሕክምናዊ መርመራ ኣካይዶም

ጉጅለ ሓካይም ግብጺ ንኣስታት 1200 ኤርትራውያን ሕክምናዊ መርመራ ኣካይዶም

Radio Erena: 05 July 2016

Egyptian Doc

መንግስቲ ግብጺ ከም መቐጸልታ ናይቲ ንመንግስቲ ኤርትራ ዝኣተዎ ናይ ምትሕግጋዝ መብጽዓታት፣ ናብ ኤርትራ ጉጅለ ሓካይም ከምዘዋፈረ ኣፍሊጡ።

እቲ ናብ ኤርትራ ዝተዋፈረ ኣሃዱ ሕክምና፣ ሸሞንተ ዶክተራት፣ ሓደ ኢንጀነር ኣቑሑ ሕክምናን ሓደ ከኣ ጠርናፊን ዘጠቓለለ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

እቲ ሚኒስተር ኣብ 18 ሰነ ብዘውጽኦ መግለጺ መሰረት፣ ጉጅለ ሓካይም ግብጺ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ምውፋሮም፣ ኣስታት 100 መጥባሕቲ ከካይዱ እንከለዉል ንልዕሊ 1200 ኤርትራውያን ከኣ ሕክምናዊ መርመራታት ኣካይዶም።

 

ግብጺ ብዘይካ ኣብ ጥዕና ኣብ ሕርሻ’ውን ምስ ኤርትራ ንምትሕግጋዝ ሰፋሕቲ መደባት ሓንጺጻ ከምዘላ’ዩ ዝግለጽ።

==========================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0