ጉዕዞ ብባቡር፣- ካብ ናቕፋ ክሳብ ፓሪስ

ጉዕዞ ብባቡር፣- ካብ ናቕፋ ክሳብ ፓሪስ

Radio Erena: 14 November 2014

Dan Con

     ባቡር ቁጽሪ 7223፣ ኣብቲ ካብ ሰሜናዊ ክፋል ፓሪስ ዝርከብ ፎሮቭያ፣ ናብታ ብኤርትራውያን ግኑን ስም ሒዛ ናብ እትርከብ ወደብት ከተማ ካሌ ተበጊሱ ኣሎ። ልክዕ ሰዓት 9:46 ረፋድ’ዩ።

     ንዝረኣኽዎን ዝገጥመኒ ነገራትን ምስታ ዝዓበኹላ ሃገር ብምዝማድ ክገልጾ ምፍታነይ ምናልባት ምልክት እርጋን ከይከውን እፈርሕ። ኣድኒቐ ወይ ተዘናጊዐ ጥራይ ዝሓልፎ ነገር የለን። ዳርጋ ንኹሉ ምስ ናይ ዓድና’የ ከነጻጽሮ ዝፍትን። ከምዚ ናተይ ባህሪ ዘለኩም ምናልባት ምልክት እርጋን ከይከውን ነፍስኹም ፈትሹ። ንፈረንሳዊት መሓዛይ ዘሎኒ ባህሪ ምስካፍልኩዋ፣ ናፍቖት ሃገር ወይ ኖስቶልጅያ’ዩ ክትብል’ያ ሳይንሳዊ ምላሽ ሂባትኒ። እንተስ ናፊቐ እንተስ ተደናፊቐ ምውድዳሩ ከዕርፍ ግና ኣጸጊሙኒ ኣሎ። ንፍሽኽታ እንተኾነኩም’ውን ኣብ ኣስመራ ዝገደፍክዎ ዓይነት ባኒ ምስ ናይ ኣኽሱም ከወዳድሮ ዝፈተንክሉ ግዜ ኔሩ።

     ምንውሑን ምብላሕ ኣፍንጭኡን ዘሰንብድ ባቡር ገና ከይተበገሰ፣ ኣተኩረ ክርእዮ’የ መሪጸ።

 

     ባቡር ዓድና ካብ ወደባዊት ከተማ ባጽዕ ተበጊሱ ናብ ከባቢ ኣቑርደት ይበጽሕ ምንባሩ ይዕለል’ዩ። ዋላ’ኳ ካብ ሞት ዝተበራበረ’ዩ እንተተባህለሉ፣ ዘርከብክሉ ባቡር ግና ቁመቱን ዝጓዓዞ ርሕቀትን ድንኪ’ዩ። ክርስቶስ፣ ነፍሲ ስኢኑ ንዝነበረ ገና ዘይመሽመሸ ስጋን ኣዕጽምትን ኣልኣዛር፣ ካብ መቓብር ኣትንሲኡ ትንሳፍ ከምዝዘርኣሉ ዘዘንቱ ተኣምራታዊ ዛንታ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምብርባር ባቡር ምድሪ ከምዝደገሞ እናሻዕ ጸውዩና’ዩ። ገሌና በዚ ተኣምራት እዚ ተገሪምና ንኸውን ኢና። ገሌና ከኣ መንግስትና ዝሞተ ናይ ምትንሳእ ጸጋ ዘለዎ ተኣምራታዊ ካብ ኮነ ብዙሕ ዝሞተ ከተንስኣልና ዝተጸበናዩ’ውን ንህሉ። ክርስቶስ ብተኣምር ዘተንስኦ ኣልኣዛር ዳግም ከምዝሞተ ዝዘከርና’ውን ኣይንስኣንን።

     ደጊሙ ንዝመውት፣ ካብ ሞት ምትንሳእ ብቐደሙ ንምንታይ ኣድልየ? ሃልኪ ካብ ምዃን ተሪፉ እንተዘይልና፣ ገለ ትምህርቲ ክንቀስመሉ ንኽእል ኢና ኢለ ይኣምን። ዋላ’ውን ካብ ትንሳኤ ባቡር ምድሪ ኤርትራ።

     ባቡር ምድሪ ኤርትራ ንምትንሳእ ዝሃለኸ ጉልበት ምስዚ ሕጂ ዝህቦ ዘሎ ኣገልግሎት ከነጻጽሮ ፈቲነ’ሞ ክቃደወለይ ኣይክኣለን።

     እዚ ምንጽጻር’ዚ ምስዚ ኣብ ቅድመይ ዝሕንሕን ዘሎ ባቡር ፈረንሳ ኣወዳዲረ ኣይኮንኩን።

     ንሰሜን ገጹ ሒዙኒ ክሕንበብ ዝሕንሕን ዘሎ ባቡር፣ ብቕልጣፊኦምን ምቾቶምን ኣብ ዓለም ካብ ዘለዎ ባቡራት ምስቀዳሞት’ዩ ዝስራዕ። ፈረንሳውያን TGV’ዮም ዝብልዎ። ኣሕጽሮት ናይ ብልዑል ናህሪ ዝውንጨፍ ባቡር ማለቶ’ዮም። 12 ባጎኒታት እናጎተተ፣ ሽዱሽተ ሚእቲ ኪሎሜተር ንዝርሕቀቱ ቦታ ብሰዓትን ፈረቃን ናይ ምሽፋን ዓቕሚ ኣለዎ። እዚ ባቡር’ዚ ‘ሞ ከመይ ኣቢለ ምስ ናይ ዓድና ከወዳድሮ።

     ካብ ጊንዳዕ ዝተበገሰ ባቡር ዓድና፣ ክልተ ባጎኒ እናሰሓበ ንባጽዕ ከእተወና ሓሙሽተ ሰዓታት ዝወሰደሉ ግዜ ምንባሩ ኣይርስዖን።

     ባቡር ዓድና ኣገልግሎቱ፣ ነቶም ብጉልቦትም ዘበራበርዎ ወይ ዘተንስዎ ኣይኮነን። ንበጻሕቲ ሃገር፣ ንወጻእተኛታት ጥራይ’ዩ።

     በዚ ባቡር’ዚ ካብ ጊንዳዕ ናብ ወደብ ባጽዕ እንክትወርድ፣ እሞ ኸኣ ኣብ ሓንቲ ካብተን ክልተ ባጎኒታት ኣብ ዝተዳለወ ባር፣ ባህላዊ ቡን እናተንከሽከሸ፣ ቢራን ዕንባባን እናተኣናገደ፣ ቆልቋል፣ በለስ፣ ቆጥቋጥን ጭዓን ኣእዛንካ ከይሕንጥጡ እናተጠንቐቕካ፣ ገያጽ ጎቦታት፣ ጎላጉልን ማይ ዝሓረሞም ሩባታትን እናሰናጠቕካ፣ ጣልያን ዝበርበሮም ገለርያታት እናሸሎኽካ፣ ውዑይን ዝሑልን ንፋሳት እናተፈራረቁልካ፣ ካብቲ ባቡር ዝበነነ ትኪ፣ ጣቓ ተጎልቢብካ ዝግበር ጉዕዞ ከመይ ባህ ኣየብልን? ነዚ ጉዕዞ’ዚ ሓንሳእ ዘይኮነ ክልተ ሳዕ ምክያደይ ዕድለኛ’የ። በጻሒ ሃገር ወይ ወጻእተኛ ኮይነ ኣይኮንኩን። በጻሕቲ ሃገር ከመይ ይሕጎሱ ከምዘለዉ ንህዝቢ ኤርትራ ንምንጋሩ ዝተልኣኹ መልእኽተኛ’የ ኔረ ምባል ይቐልል። ዋላ’ኳ ተሓንጊጠያ ዝነበርኩ ሬድዮ መቕረጺት ድምጺን ዝሓዝክዎ ወረቐትን እርሳስን ጋዜጠኛ እንተምስለኒ።

     ትንሳኤ ባቡር ምድሪ ኤርትራ ብዓይኒ በጻሕቲ ሃገር ዘርእስቱ ክልተ ጸብጻባት ኣብ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ምቕራበይ’ውን እዝክር።

     ሕጂ ኸኣ እንሆ ንተመሳሳሊ ግን ከኣ ዝተፍልየ ተልእኾ ብባቡር ክጓዓዝ ኣብ ኣፈፌቱ ተረኺበ ኣለኹ።

Calais Erena

     ካብ ፓሪስ ናብ ወደብ ካሌ ከብጽሓኒ ዝሕንሕን ዘሎ ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ትኪ ኣልቦ ባቡር፣ ናይ ምብጋስ ጥሩምባ ብዝነፍሐ፣ ካብ ማሽን ዝዓደግኩዋ ቡን ጠምጠም ኢለ፣ መቓምጦይ ሐዝኩ። በይነይ ኣይነብርኩን። ኣብ ውሽጢ እታ ባቡር ክጽበየኒ ዝጸንሐ ጋሻ ኣሎ። ናብ ፓሪስ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ስለዝኣተወ፣ ኣቐዲምና ተራኺብና ዕላላት ተለዋዊጥና ኢና።

     ኣማስዩኡ ውቁብ ጎደናታት ፓሪስ ሸናዕ ክብል ግዲ ቀሲብዎ፣ ቅሩብ ድኽም ዝበለ’ዩ መሲሉ። ደሐር ከኣ ትርኢቱ ደኣ ጎበዝ መሰለ’ምበር ኣብ ክሊ ዕድመ 70ታት’ዩ ዝርከብ።

     መራሕ ባቡር ቁጽሪ 7223፣ ኣብ ጋቢንኡ ብእትርከብ ማይክሮፎን ንተጓዓዝቲ እናቋዕ ደሓን መጻእኩም ድሕሪ ምባል፣ ኣብ መንጎ እንዓርፈለን ፎሮቭያታትን ናብ ወደባዊት ከተማ ካሌ ንኣትወሉ ሰዓትን ሓቢሩ፣ ጽቡቕ ጉዕዞ ተመነ’ዩ ማይክሮፎኑ ዓጽዩ። 

     ኣብ ሻንጣይ ዝነበረት ዘመናዊት ዲጂታል ሬድዮ መቕረጺ ዲምጺ – ማይክሮፎን ኣዳልየ ነዚ ኣብ ጎነይ ተቀሚጡ ዘሎ ገና ጎበዝ ዝመስል ሽማግለ ከዕልሎ ወሲነ። እዛ ሕጂ ቀሪበያ ዘለኹ ሬድዮ- መቕረጺት ድምጺ ካብታ ኣብ ናይ ዓድና ባቡር ዝተጠቐምኩላ ናይ ሰማይን ምድሪን ፍልልይ’ዩ ዘለወን። ምንጽጻር ከምዝፈቱ ኣቐዲመ ነጊረኩም ስለዝነበርኩ፣ ንዝረኣኽዎ ነገረ ምስ ናይ ዓድና ከወዳድር እንተፈቲነ ቁሩብ ተዓገሱኒ።

     ዕላለይ ብፓሪስ ዶ ብናቕፋ ክጅምር ተፈራሪቑኒ ኣሎ።

     ከም መበጋገሲ እንተኾነ ግና፣

     “ፓሪስ ንመጀመርያኻ ዲካ ትመጽእ ዘሎኻ።” ተወከስክዎ።

     “ኣይፋሉን፣ ኣብ 1980ታት ኣብ ፓሪስ ናብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር መጺኤ ኔረ።” መለሰ።

     ጽቡቕ መበገሲ ዕላል’ዩ። ናቕፋ ብኸመይ ኣቲኻ? መዓስ? መጀመርያ ዝተቐበለካ ተጋዳላይ ከኣ መን ነበረ? ዝብሉ ሕቶታት በድራጋ ፈነኽሉ?

     ዕላልና መሰረት ክህልዎ ንምሕሳብ ደኣ’ምበር እዚ ሕቶታት እዚ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት፣ ጸሓፍትን ካልኦት ግዱሳትን ደጋጊሞም ደም ዘውጽእዎ መሰረታዊ ሕቶታት ምዃኑ ኣይሰሓትክዎን። ንሱ’ውን ንምድጋሙ ኣይሰልችዎን። ኣብ መጻሕፍቱ’ውን ዘሎ ስለዝኾነ።

     ብባቡር ምጉዓዝ ኣመና ከምዝፈቱ ኣቐዲሙ የዕሊሉኒ ስለዝነበረ፣ ካብ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዝኣተወሉ ጉዕዞ ከመይ ምንባሩ’ውን ከም ተወሳኺ ሕቶ ኣስዒበያ’የ፣ ነታ ኣብ ገመል ተወጢሑ ኣብ መፋርቕ 1970ታት ኣብ በረኻታት ሱዳንን ኤርትራን ዝተሳእላ ስእሊ እናዘከርኩ። እቲ እዋን’ቲ ፈለማ ናብ መሬት ኤርትራ ዝኣተወሉ ዓመት ምዃኑ’ዩ።

     ካብ ፖርት ሱዳን ስዋኪን ናብቲ ገድሊ ዝርከበሉ ሜዳ እናተባህለ ዝውረየሉ ዝነበረ ጎቦታት ናቕፋ፣ ዝበዝሐ ጉዕዞኡ ብገመል’ዩ ኔሩ። ገመል እናሓቖነ፣ ልኻይ ክሳብ ዘውጽእ ግዲ ጌርዎ ከኣ፣ ዝባን ገመል ከምዘይብርሆ ንእግሪ መንገዲ ኣውጊዑኒ። ዝባን ገመል፣ ከም ባቡር ፈረንሳ ኣይኮነን። ናብ ዝደለኻዮ ቦታ ከብጽሓካ ተሓቑንካ ወይ ልኻይ ወይ ከኣ ብራሕ ክትከውን ኣሎካ።

     ናይዝጊ ክፍሉ፣ ሚኒስተር ዜና ኮይኑ ምስተመደበ’የ ንመጀመርያ ከም ሰብ ብኣካል ዝርኣኽዎ። ዕላላቱ ጸኒሑኒ’ዩ። ካብ ስዋኪን ናብቲ ህዝባዊ ግንባር ዝቖጻጸሮ ከባቢታት ድሕሪ ምእታዉ፣ ፈለማ ዝተቐበሎ ተጋዳላይ ናይዚ ክፍሉ ምንባሩ ከውግዓኒ እንከሎ፣ ነተን ንናይዝጊ ዝፈለጥኩለን ሒደት ግዝያት ናብ ምዝካር ተመሊሰ ኣለኹ። ንሱ’ውን ዛንታ ናይዝጊ ከሕጽር ኢሉ ግዲ፣

     “ፈለማ ኣብ ሱዳን ናይዝጊ ክፍሉ ተቐቢሉኒ፣ ኣብ 2002 ከኣ ናይዝጊ ሰጕጉኒ።” ደምደመ።

     ኣብ ሓደ ጉዳይ ፍትሒ ስለዝሰኣና፣ ጉዳይና ክፈትሓልና ኣርባዕተ ኣባላት ሚኒስትሪ ዜና ናብ ቤት ጽሕፈት ናይዝጊ ምዃድና ኣዘኻኺሩኒ።

     “ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ቤት ጽሕፈተይ ከይተእትዉ።” ናባና እናጠመተ ኤርትራ ንእተባህለት ጸሓፉቱ እናሃደደ ሰጕጉ ኣፋንዩና።

     ድሕሪ’ዛ ፋጽሜ እዚኣ፣ ደሃይ ናይዝጊ ክፍሉ ሰሚዔ ኣይፈልጥን። ክሳብ’ታ ኣብ ጉዳይ ሬሳኡ ዝተላዕለት ምጉት።

     ሕጂ ግና ተቐባላይን ሰጓጓይን ምንባሩ እንሆ ይዝንተወሉ ኣሎ።

     “ከመይ ሰጕጉካ፣ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ጸዊዑ ወይስ ደዊሉ?” ህንጥዩነተይ እናዛየደ።

     ባቡር’ውን ከም ንፋስ ይሕንበብ።

     ምድሪ ሰሜን ፈረንሳ፣ በለስን ቆልቋልን፣ ሩባን ስንጭሮን የብሉን። ለጥ ዝበለ ልሙዕ ጎልጎል’ዩ። ሓጋይ ኣብ ምእታው ስለዝኾነ’ውን ኣቝጽልቲ ረጊፎም፣ ዝኻፊ ዝናብን ንፋስን ከኣ ንየው ነጀው የሸንብቦም።

     መጀመርያ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ሓጎስ ገብርሂወት – ክሻ፣ ቴሌፎን ብምድዋል እዚ ትገብሮ ዘሎኻ ኣዕናዊ’ዮ ስራሕ ኣቛርጾ ዝብል ትእዛዝ ከምዝሃቦ’ዩ ዘኪሩ። ኣብ መስከረም 2001 ዝተኣስሩ ሰበ ስልጣን ነበረ፣ ዝቐረበሎም ወግዓዊ ክስን መርትዖን ከምዘየለ ምስ ጋዜጣ ሰቲት፣ ድሒሩ ከኣ ምስ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ቃለ መጠይቕ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ ሓጎስ ክሻ፣ ነቲ “ኣዕናዊ” ዝበሎ ስራሕ ደው ከብሎ ዝሓተተ።

     ሓጎስ ክሻ እቶም ዝተኣስሩ ሰበ ስልጣን ነበር ዝፈጽምዎ ከቢድ ገበን መርትዖ ከምዘሎን ድሕሪ ክልተ ሰሙን ከኣ ከርእዮ ምዃኑን ተመባጺዑ፣ ብኡ ኣቢሉ ክጠፍእ እንከሎ፣ እቲ ናይ ምስጓግ ዕማም ግና ንናይዝጊ ክፍሉ ኣመሓላሊፍሉ’ዩ።

     ዕድለኛ’ዩ! ከምቶም ካልኦት ዘይትኣስረ ዶ ትብሉ ኣለኹም። ክእሰር ዘይተወሰነሉ፣ እንተስ ብዕድል እንተስ ብትዕድልቲ ኣመሪካዊ ኮይኑ ስለዝተወልደ ጥራይ’ዩ። ዝነበሮም ምርጫ፣ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ምግዳዱ’ያ። ድሕሪ ተደጋጋሚ ጻዕርታቶም ከኣ ደጋጊሙ ናብ ኤርትራ ከእቱ ዝተዋህቦ ቪዛ ግዜኡ ስለዘብቕዐ ብኡ ኣቢሉ ካብ ኤርትራ ተሰናቢቱ።

     ክልተ ምስልታት ኤርትራ’ዩ ዘለዎ። ነቶም ኣብ 1979 ኣብ ሜዳ ዝረኸቦም ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ስብሓት ኤፍሬም፣ ጴጥሮስ ሰለሙን፣ ሃይለ ወልደትንሳኤ ድሩዕ፣ ናይዝጊ ክፍሉን ካልኦትን ዘለዎ ተዘክሮታት’ዩ ክልተ ምስሊ ኤርትራ ከምዝሕዝ ጌርዎ። ሕጂ’ውን ሳልሳይ ምስሊ ኤርትራ ብዋግዋጎ ይርኣዮ ምህላዉ ኣተንቢሁለይ’ዩ። ብዛዕባ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ተጋደልትን ተዘክሮታቶምን ዘይውዳእ ዕላላት’ዩ ዘለዎ። ካብዚ ቅሩብ ንድሕሪት ክመልሶ ብምሕሳብ፣ ኣብ ገመል ተወጢሑ ናብ ናቕፋ ቅድሚ ምእታዉ፣ ኣብ ኣመሪካ ዝነበሮ ውልቃዊ ህይወት ከመይ ምንባሩ ተወኪሰዮ።

     “ኣብ ህይወተይ ዝዓበየ ጌጋታት ካብ ዝፈጸምኩወን ሓንቲ’ያ።” ኢሉ’ዩ ዕላሉ ቀጺሉ።

     ወዲ 21 ዓመት ተማሃራይ፣ ኣብ ናይ ኣመሪካ ህወይት ኣብ ፈንጠዝያን ሆይሆይታን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ካብ መማህርቱን ዓርኩን ዝነበርት ጎርዞ ጥንሲ ኣጋጢሙ። እዛ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ዘጋጠመት ጥንሲ ከኣ ኣብ ህይወቱ ብዙሕ ኣሉታውን እወታን መቐይሮታት ከምዝፈጠረትሉ እናከውግዓኒ፣ እዚ ብዛዕባ ኤርትራ ሓያሎ መጻሕፍቲ ዘሕተመ፣ ኣብ ክሊ ዕድመ 70ታት ዝርከብ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ዕላሉ ቀልበይ ስሒቡ። ባቡር ፈረንሳ’ውን ኣብ ሓንቲ ካብተን ኣብ መንጎ ከዕርፈለን ዝነበሮ ፎሮቭያታት በጺሑ ደው ናይ ምባል ምልክት ስለዝሃበ ዕላልና ተጎናዲቡ።

     ድምጺ ባቡር………………

     “እወ! ወዲ 21 ዓመት ተማሃራይ፣ ኣብ ናይ ኣመሪካ ህወይት ኣብ ፈንጠዝያን ሆይሆይታን ኣብ ዝነበርካሉ ግዜ ካብ መማህርትኻን ዓርክኻን ዝነበርት ጎርዞ ጥንሲ ኣጋጢሙ። እዛ ኣብ ንኡስ ዕድሚኻ ዘጋጠመት ጥንሲ ከኣ ኣብ ህይወትካ ብዙሕ ኣሉታውን እወታን መቐይሮታት ፈጢራ። ኣብዚ ኢና በጺሕና።” ተሞክሮ ከምዝጎደሎ ዝተረበሸ ጋዜጠኛ ውትፍ ውትፍ እናበለኒየ ሓቲተ።

     “ዕድመ ክንደይ ጌርካ ኣሎኻ።” ተሃንጥየ ከምዘለኹ ኣስተብሂሉ’ዩ።

     “ሕጂ ዝመጽእ ዘሎ 13 ታሕሳስ 36 ክገብር’የ።” ዕድመን ጥዕናን ሂቡኒ ወዲ 70 ዓመት ኮይነ ኣብ ምስሉ እናተዓዘብኩ።

     ድሕሪ ናይ ዕድመን ተሞክሮ ህወይትን ሓደን ክልተን ዕላላት ናብታ ጠልጠል ዘበላ ዛንታ ንእስነትን ጥንስን ክመልሶ ሑኽ ኢለ። ሰሚሩለይ ከኣ ተዓዊተ።

Dannn

     ወዲ 21 ዓመት መንእሰይ እንከሎ ዘጋጠመ ጥንሲ ናይ ሽዑ ኣቃሪቱ፣ ናብ ዘይተደልየ መርዓን ፍትሕን ከምዝመርሖ ብሰንኩ’ውን ስራሕ ንምንዳይ ብዙሕ ከርተት ከምዝበለን ኣብ መወዳእታ’ውን ናብ ኣፍሪቃ ከምዝመጸን’ዩ ዝገልጽ። እዛ ቀላል ግን ከኣ ሓደገኛ ፍጻሜ’ዚኣ ንዝነበሮ ካልእ ሕልምታት እኳ እንተሓንኮለት፣ ‘ፈጣሪ ጸድፊ ይፈጥር መደያይቦ ከኣ ይገብረሉ’ ከምዝብሃል፣ ናብ ኣፍሪቃ ምምጽኡ ምስ ታሪኽ ገድሊ ኤርትራን ብድሆታቱን ምልላዩ፣ ንመንፈሱ ከምዘሐደሶ ይዛረብ። ብዓቢኡ ኸኣ፣ እታ ወዲ 21 ዓመት እንከሎ ብዘጋጠመ ጥንሲ ዝተወልደት ቦኽሪ ጓሉ ኣብዚ እዋን’ዚ ጓል 49 ዓመት ኮይና፣ ኣቦሓጎ ናይ ምዃን ጸጋ ለጊሳትሉ፣ ኣመና ሕጉስ’ዩ።

     ብሰንኪ ዘይተሓስበን ጥንስን መርዓን ፍትሕን፣ ናብ ኣፍሪቃ ብኢ ኣቢሉ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ክሳግም ድሕሪ ምግዳዱ፣ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዓለም ዘየድሃበትሉ ውዑይ ንፋስ ይሸቡብ ምንባሩ ከስተብህል ግዜ ኣይወሰደሉን። ብፍላይ ከኣ ኣብ ማእከል ኣስመራ፣ ብቫይናክን ብጾቱ ኣባላት ፈዳይንን ዝተማእከለን ብወናኒት ቡና ቤት ብዝነበረት ወይዘሮ ነብያት ዝተወደበን ኣብ ልዕሊ ኮለነል ገሹ ዝተፈጸመ ናይ ቅትለት ስርሒት ብኣካል ክዕዘብ ምኽኣሉ፣ ከም ተልሜዴን ጋዜጠኛ ኣብዚ ዞባ ገለ ከበርክት ከምዝኽእል ንነብሱ ኣእሚኑ’ዩ።

     ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ከኣ’ዩ ኣብ ዝባን ገመል ተኾይጡ ብመንገዲ ሱዳን ናብ ሜዳ ኤርትራ ዝኣተወ።

     ንተሞክሮ ገድሊ ዘበርከታ ቀዳመይቲ መጽሓፉ፣ ንኸዳልዋ፣ ኣብ ፊሊፒንስ፣ ሓንቲ መንበሪ ገዛ ተኻርዩ ንሸሞንተ ወርሒ ዝኣክል ቅኒን ከምዘበለ እናውግዓኒ ከኣ፣ ስም ሓንቲ ጓል ይደጋግም ስለዝነበረ፣
     “እዚኣ ኸ እንታወትቲ’ያ?” በልክዎ።

     ድሕሪ ጥንሲ፣ መርዓን ፍትሕን ዘጋጠሞ ናይ ህይወት ተሞክሮታት ሰጊሩ ሓድሽ ህወይት ድሕሪ ምጅማሩ ዝተላለያ ዓርኩ ምዃና ኣዘንተወ። ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዕርክነት ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብመርዓ ይነብሩ ምህላዎም ቀጸለ።

     “ፓሪስ ኣዝያ’ያ ትፈትዋ። ሓደ መዓልቲ ሒዘያ ክመጽእ’የ’ሞ ከላልየካ’የ።” ወሰኸ።

     ባቡር ናይ ሸሞንተ ደቓይቕ ተጓዒዙ ቅድሚ ወደባዊት ካሌ ኣብ እትርከብ ካሌ ፍረቱን ኣብ ዝተባህለ ፎሮቭያ ሓጺር ዕረፍቲ ገበረ። ናብ ናይ መወዳእታ መዕለቢኡ ንክጉዓዝ ደጋጊሙ ድሕሪ ምሕንሓን፣ ጥሩምባ ነፊሑ ተበገሰ…..ዕላልና ኸኣ ቀጸለ።

     ኣብ ናቕፋ ዝዓረፈሉ ናይ መጀመርያ ቦታ፣ ፋሕ’ዩ።

     “ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ምውላድ’ሲ ኣርኪብካ ኢኻ።” ሕቶይ ናብ ምንጽጻር ዝዓለመ ቅኒት ከትሕዞ እናተወሳወስኩ።

     የማነ ገብርኣብን ካልኦትን ድምጺ ሓፋሽ ኣብ ዝተመስረተትሉ ፈለማ ዝነበሮም ናይ ዜናን ሓበሬታን ንጥፈታት ዝዝክሮ ዘበለ’ውን ኣቛዲሱኒ። ናይ ምዝካር ብቕዓቱ ደጋጊመ’የ ኣመስጊነዮ። ምስጢሩ ዕለታዊ መዘክር ወይ ዳያሪ ምሓዝ ምዃኑ ምኽሩ ለጊሱለይ።

     ኣብ ፓሪስ ሓድሽ ቤተመዘክር ናይ ፒካሶ ተኸፊቱ ኣሎ ተባሂሉ ኣቃልቦ ብዙሓት ስሒቡ ስለዝቐነየ፣ ምናልባት ንሱ’ውን ናብኡ ገጹ ዘወር ኢሉ እንተኾነ ካብ ምሕሳብ፣-

     “ኣብ ናይ ፓሪስ ጉዕዞኻ፣ እንታይ ፍሉይ ነገረ ተዓዚብካ?” ክብል ተወከስክዎ።

     “ኣብ ፓሪስ፣ ዝመሰጠኒ ነገረ ንስቱድዮ ሬድዮ ኤረና ምብጽሐ’ዩ።” ዘይተጸበኽዎን ሃንደበትን መልሲ።

     ምስ ኤርትራ ዘለዎ ናይ ኣስታት 37 ዓመታት ምትእስሳር፣ ኣብዚ ናይ ሽምግልና ዕድሚኡ’ውን ገና ርሱን ምህላዉ ምልክት ነበረ።

     ናብዛ ኣብ ታሪኽን ሕጅን፣ ሓያሎ ፖለቲካዊ ምንቕቓሓትን ውዳበታትን ዝተፈላለየ ሃገራት ዓለም ከምእተእንግድ ዝንገረላ ፓሪስ፣ ንቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ክበጽሕ ኣብ ፈለማ 1980ታት ምምጽኡ ምስዚ ናይ ሕጂ ምስ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝተኣሳሰረ ናይ ፈረንሳ ዑደቱን ኣነጻጺረ፣ ንዝኣመነሉ ዕላማ ማዕረ ክንደይ ጽኑዕ ምዃኑ ትምህርቲ’ዩ ንዓይን ኣብ መደምደምታ ኣብጺሑኒ።

     “እሞ ናቕፋን ፓሪስን፣ ፋሕን ግላሴኽን (ሬድዮታት ድምጺ ሓፋሽን ኤረናን ዝተመስረታሉ ቦታታት) ከመይ ተመሳሲሉካ።” ዳርጋ ናይ መዛዘሚ ሕቶ’ዩ።

     ብዘይካ ሰሓቕ ካልእ መልሲ ኣይነበሮን።

     ብልዑል ናህሪ ክጎዓዝ ዝጸንሐ ባቡር፣ ናብቲ ናይ መወዳእታ መዓልብኡ ስለዝተቓረበ፣ ናህሩ ክዝሕል ከምዝጀመረ፣ እንሓልፎ ንዝነበርና ኣግራብ ብምስኮት ምስተዓዘኩ’ዩ ከስተብህል ክኢሉ። ወደባዊት ከተማ ካሌ ቀሪብና ኣሎና።

     ኣብዛ ከተማ፣ ውጻእ ምልክን ግፍዕታቱን፣ ውጻእ ኣብያተ ማሰርትን ስግረ ዶባትን፣ ውጻእ ሰሃራን ሲናይን፣ ውጻእ ማእከላይ ባሕሪን ቀላይን ዝኾኑ ኣማኢት ኤርትራውያን ጉዕዞ ስደቶም ገና ናብ ብሪጣንያ ንምቕጻል ተኣኻኪቦም ኣለዉ። ተሞክሮታቶም ከዘንትዉልና ካብ ፓሪስ ነቒልና መጺእናዮም ኣሎና። ዘካፈሉና ውዑይን ዝሑልን ተሞክሮታት ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ብዝርዝር ከቐርበልኩም ተስፋ’ገብር። ባቡር’ውን ድሮ ጉዕዝኡ ወዲኡ ትሪፍ ትሪፍ ምባል ጀሚሩ ኣሎ። ካብ ባቡር እናወረድና ኸኣ፣ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝጠርጠርናዮም መንእሰያት ርኣና’ሞ፣

     “ኤርትራውያን’ዮም ዝኾኑ…” ኢለ ዘይረባይ ከወዳእኩ፣ ሓደ ካብኣቶም ኣተኩሩ እናጠመተ፣

     “ዳን ኮነል?” ክብል ሓተተ።

     ዳን ኮነል’ውን ፍሽክታ ኣሰንዩ ናይ እወታ መልሲ ለጊሱ።

     ካብ ናቕፋ ክሳብ ፓሪስ ንዝነበረ ሓጺር ጉዑዞ ኸኣ ተፈጺሙ።

 

ኣማኑኤል ግርማይ

(ዕባይ ኣኽርያ ካብ ጀርመን)

10 ሕዳር 2014
ወደብ ካሌ- ፈረንሳ

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0