ገዲም ተጋዳላይ ሓርነት፣ ዶ/ር ሃብተ ተስፋማርያም ዓሪፉ

Radio Erena: 16 January 2017

Habte Tes

ገዲም ተጋዳላይ ናጽነትን ተቓላሳይ ሓርነትን፣ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም ዓሪፉ።

ዶክተር ሃብተ፣ ካብ መጀመርያ ወርሓት ናይዛ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፣ ብሕማም ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ብዓርቢ 13 ጥሪ 2017 ዓሪፉ።

ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም፣ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት ካብ ተራ ተጋዳላይ ክሳብ ብደረጃ ላዕለዋይ መሪሕነት ንህዝቡን ሃገሩን ዝተወፈየ ምንባሩ መዛግብቲ ቃልሲ ኤርትራ ይሕብሩ።

ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ዘጋጠሞ ምብትታን’ውን ዶክተር ሃብተ፣ ኣብ ስደት ኮይኑ ምእንቲ ሓርነት ክቃለስ ዝጸንሐ ሓደ ካብ ሓርበኛታት ኤርትራውያን ኣቦታት’ዩ።

ክሳብ ዕለት ዕረፍቱ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ግንባር ድሕነት ኤርትራ፣ ኮይኑ ንሓደ ካብ ደምበታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነት ክመርሕ ዝጸንሐ ዶክተር ሃብተ ተስፋማርያም፣ ኣብ መጀመርያ ወርሓት ናይ 2016 ኣብ ሬድዮ ኤረና ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን፣ ትምኒቱን ነታ ዝበዝሐ ዕድሚኡ ምእንታኣ ዝተቓለሰላ ኤርትራ፣ ሓራ ኮይና፣ ዜጋታታ ብማዕርነትን ሓርነትን ዝነብሩላ፣ ፍትሒን ሕግን ዝነገሳ፣ ብቕዋም እትመሓደር ኤርትራ ምርኣይ ምንባሩ’ዩ ገሊጹ።

ሬድዮ ኤረና፣ ብምኽንያት ዕረፍቲ ዶክተር ሃብተ ንብምሉኦም ስድራቤቱን መቓልስቱ ንሓርነትን ጽንዓት ይሃብኩም ትብል።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0