ገለ ክፋል ናይቲ ኣብ ዞባ ከሰላ ዝርከብ ኣማኢት ሚልዮናት ናቕፋ በዚ ሓድሽ ንምቕያሩ ኣብ ስምምዕ ተቢጽሑ

ገለ ክፋል ናይቲ ኣብ ዞባ ከሰላ ዝርከብ ኣማኢት ሚልዮናት ናቕፋ በዚ ሓድሽ ንምቕያሩ ኣብ ስምምዕ ተቢጽሑ

Radio Erena: 30 November 2015

100 nak

ኣብ ዞባ ከሰላ ካብ ዝርከብ ኣማኢት ሚልዮናት ናቕፋ፣ ንገለ ክፋሉ በዚ ሓድሽ ናቕፋ ንምቕያሩ ኣብ መንጎ እቲ ዞባን መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

እዚ ስምምዕ ከምዝተበጽሐ ዝግለጽ ዘሎ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ 22 ክሳብ 23 ሕዳር ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዑደት ዘካየዱ ሰበ ስልጣን ዞባ ከሰላ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኤርትራ ድሕሪ ዝበጽሕዎ ስምምዕ’ዩ።

ብመሰረት እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ መሰረት ከኣ፣ ናይ ኤርትራ መንነት ወረቐት ዘለዎም ነበርቲ ዞባ ከሰላ፣ ኣብ ከባቢታት ተሰነይ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ንግዳዊ ባንክ ክቕይሩ ተፈቒዱሎም ኣሎ።

 

ኣብ ከሰላ ኣብ ኢድ ሱዳናውያንን ኤርትራውያን ነበርቲ እቲ ዞባን ዝርከብ ኣማኢት ሚልዮናት ናቕፋ፣ ብሕጋዊ መንገዲ ንምቕያሩ፣ ሰበ ስልጣን እቲ ዞባ ተደጋጋሚ እዋን ናብ ኤርትራ ሕቶ ከቕርቡ ምጽንሖ ይፍለጥ።

እንተኾነ እቲ ክቕየር ተፈቒዱ ዘሎ መጠን ገንዘብ ኣይተሓበረን።

ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ድሕሪ ምእዋጁ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዞባ ከሰላ ዝርከብ ኣማኢት ሚልዮናት ናቕፋ ዞባ ከሰላን መንግስቲ ኤርትራ ክስሓሓቡ ጸኒሖምዮም።

ምቕያር ናቕፋ ኣብ 18 ሕዳር ክጅምር ምዃኑ ድሕሪ ምእዋጁ፣ ምክትል ፕረዚደንት ሱዳን ጀነራል በክሪ ሓሰን ሳልሕ ንቀዳማይ ጸሓፊ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ ብ13 ሕዳር ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ብምጽዋዕ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ከምዘዘራረቡ ይዝከር።

ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ’ውን ኣመሓዳሪ ዞባ ከሰላ ኣደም ጃማ ኣደም ምስ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ሱዳን ድሕሪ ምምይያጥ ናብ ኤርትራ ከምርሕ ምዃኑ ተሃቢሩ ኔሩ’ዩ።

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኤርትራን ዘይሕጋዊ ንግዲ ከምኡ ምስግጋርን መሸጣን ደቂ ሰብ ሳዕሪሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ መንግስቲ ኤርትራ ንባጤራ ናቕፋ ሃንደበት ክቕይሮ ምውሳኑ፣ ነቲ ካብን ናብን ከሰላ – ተሰነይ ብናይ ክልቲኤን ሃገራት ባጤራ ክግበር ዝጸንሐ ፍኑው ንግዲ ኣብ ሻቕሎት ኣውዲቕዎ ይርከብ።

ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ክሳብ 30 ታሕሳስ ጥራይ ዝካየድ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ነቲ ባጤራ ኣብ ባንክታት ንምቕያሩ ዘሎ ሪጋን መሳርዕን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ኮይኑ ስለዘሎ፣ ነቲ ዕልቕልቕ ንምእላይ ኣብ ምምሕዳራትን ኣብያተ ጽሕፈት ህግደፍን’ውን ምቕያር ከምዝከኣል መንግስቲ ገሊጹ ኣሎ።

እንተኾነ፣ እዚ’ውን ንህዝቢ ካብ ሪጋን መሳርዕን ከድሕኖ ኣይከኣለን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ መንጎ እቲ ናይ ቀደምን ሓድሽ ዝቕየር ዘሎ ናቕፋን ብዙሕ ፍልላይ ዘይብሉ ብምዃኑ፣ ንህዝቢ ኣብ ምድንጋር የእትዩ ኣሎ።

ናቕፋ ኣብ 1997 ኣብ ዝተሓትመሉ ብሕብርን ዓቐንን ስለዝተመሳሰለ ህዝቢ ኣየደናግርን ዶ ኣብ ዝተባህለሉ እዋን፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ “ንናቕፋ ኣይኮነን ዶ ሰብ ህበይ’ውን ከተላልዮ ትኽእል’ያ” ምባሉ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ ድሕሩ፣ ህዝቢ የደናግር ኣሎ ብዝብል፣ ናይ ሕብርን ዓቐንን ንምሕያሽ ተጌርሉ እናተገብረሉ ናብ ዕዳጋ ተዘርጊሑ’ዩ።

ኣብዚ ሕጂ’ውን ዘምይርግጋእ ዕዳጋን ካልእ ተወሳኺ ጸገማትን ፈጢሩ ዘሎ፣ ካብ ባንክታት ወጻኢ ፋሉል ንዝኸደ ብዝሒ ባጤራ ናቕፋ ብባንክታት ንምቁጽጻሩ ዝግበር ዘሎ ናይ ምቕያር መስርሕ’ውን፣ ተመሳሳሊ ጸገም የስዕብ ምህላዉ ይግለጽ።

==========================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0