ጅቡቲ፣ ኣንጻር ፕረዚደንት ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ተቓውሞ፣ ዳግም ክግሃሃር ከምዝኽእል ተገሊጹ

Radio Erena: 04 November 2019

ኣብ ጅቡቲ፣ ኣንጻር’ቲ ብፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ዝምራሕ መንግስቲ ዝተኻየደ ተቓውሞን ናዕብን፣ ዳግም ክጎሃሃር ከምዝኽእል ተቓወምቲ ውድባት ካብ ፓሪስ ሓቢሮም።

እቲ ኣርሂባ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝተወልዐ ተቓውሞ፣ ኣባላት ጸጥታ እታ ሃገር፣ ካኮ ሑመድ ንዝተባህለ መንእሰያ ብ31 ጥቅምቲ ዓፊኖም ድሕሪ ምውሳዶም ከምዝተጎሃሃረ ሬድዮ ፍራንስ ኢንተርናሽናል ኣገንዚባ።

እቲ ናዕብን ተቓውሞ ንክልተ መዓልታት ድሕሪ ምክያዱ ኣብዚ እዋን’ዚ ሃዲኡ ይርከብ።

ፖሊስ ጅቡቲ፣ ተቓውሞ ንዘካይድ ዝነበረ ብመንእሰያት ዝተዓብለለ ሰልፊ ንምብታን ጠያይትን ዘንብዕ ጋዝን ከምዝተኮሱ ዝሓበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሓያሎ ሰባት ብከቢድን ፈኵስን ከምዝቖሰሉ ጠቒሶም።

ኣብቲ ከባቢ ናይ እትርከብ ሆስፒታል ሓኪም ዝኾነ ዶ/ር ኣባተ አቦ ኣዱ ንሬድዮ ፍራንስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ብከቢድ ዝቖሰሉ 15 መንእሰያት፣ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ጅቡቲ፣ ብሄር ሶማል ዒሳ ዝዓብለሎ መንግስቲ’ዩ ዘሎ ዝብል ስምምዒታት ብሄር ዓፈር ከምዘሎ ብሰፊሑ ይግለጽ።

እቲ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝተኻየደ ናዕቢ፣ ኣውራ መበገሲኡ፣ ኣብ ከባቢ ኣርሂባ ዝርከቡ፣ ተወላዶ ብሄር ዓፈር ዝኾኑ መንእሰያት፣ ኣንጻር እቲ ካብ ብሄር ሶማል ዒሳ ዝኾነ ፕረዚደንት እሳዒል ዑመር ገለ ዝቀንዐ ሰለማዊ ሰልፊ ንምውዳብ ኣብ ዝወጠንሉ እዋን ከምዝተጎሃሃረ ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር የረድኡ።

መንግስቲ ጂቡቲ፣ ኣብቲ ኣብ 1ን 2ን ሕዳር ዝተኻየደ ተቓውሞን ናዕብን ዝወደቡን ዝተሳተፉን’ዮም ዝበሎም ሓያሎ መንእሰያት ኣሲሩ ከምዘሎ ፓሪስ ዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባት ይወቕሱ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0