ጅቡቲ፣ ብግብረ ሽበራ ብዝልዓለ ዝህደን ፈረንሳዊ ተታሒዙ

ጅቡቲ፣ ብግብረ ሽበራ ብዝልዓለ ዝህደን ፈረንሳዊ ተታሒዙ

Radio Erena: 25 December 2018

peter sherif

ኣብ 2015፣ ኣብ ከተማ ፓሪስ፣ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ጋዜጣ ቻርሊ ሄብዶ መጥቃዕቲ ካብ ዝሃንደሱ ሓደ ምዃኑ ዝጥርጠር ፒተር ሸሪፍ ኣብ ጅቡቲ ከምዝተታሕዘ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

ብኣቡ ሃምዛ ዝፍለጥ ወዲ 36 ዓመት ፒተር ሸሪፍ፣ ኣብ ዒራቕን ሶርያን ምስ ሽበራዊ ጉጅለታት ድሕሪ ምጽንሑ፣ ሓንሳእ ብኣመሪካ ሓንሳእ ከኣ ብፈረንሳ ክልተ ግዜ ተታሒዙ እኳ እንተነበረ፣ ካብ 2011 ንደሓር ሃዲሙ ክህደን’ዩ ጸኒሑ።

እዚ ኣብ ፈረንሳ ብዙሕ ገበናት ከምዝፈጸመ ዝኽሰስ ሸሪፍ፣ ንሓያሎ መንእሰያት ናብ ዳዒሽ ብምጽንባር መጥቃዕታት ክፍጽሙ ክውድብ ምጽንሑ’ዩ ዝጥቀስ።

ኣብ 2015 ኣብ ከተማ ፓሪስ ዝተኻየዱ ክልተ መጥቃዕታት ካብ ዘወሃሃዱ ሓደ ምዃኑ’ውን መንግስቲ ፈረንሳ ይኸሶ።

ብፍላይ ምስቶም ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ቻርሊ ኤብዶ፣ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ክልተ ኣሕዋት ቅርበት ከምዝነበሮ ጸብጻብ ፖሊስ ፈረንሳ የመልክት።

ፒተር ሸሪፍ ድሕሪ’ቲ ናይ 2015 መጥቃዕቲ፣ ተሰዊሩ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ጅቡቲ ተታሒዙ።

ንሱ፣ ብምትሕብባር መንግስታት ጅቡትን ፈረንሳን፣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ፈረንሳ ተሰጋጊሩ ኣሎ።

ብመንግስቲ ፈረንሳ ብዝልዓለ ክህደን ዝጸንሐ እዚ መንእሰይ፣ ኣብ የመን ተሓቢኡ ከምዘሎ ሓበሬታ እኳ እንተጸንሐ ናብ ጅቡቲ ዝኣተወሉ ምኽንያት ኣይተነጸረን።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0